15 ንቓል ሓቂ ብቕንዕና ዝነግር፥ ዘሕፍር ዘይብሉ፥ ዝተመስከረሉ ሰራሕተኛ ጌርካ፥ ንባዕልኻ ንእግዚኣብሄር ክተወፊ ትጋህ።
ንሱ ኸዓ “እምበኣርከስ ኵሉ ናይ መንግስተ ሰማያት ደቀ መዝሙር ዝኾነ መምህር ሕጊ፥ ካብ መዝገቡ ሓድሽን ብሉይን ነገራት ዘውፅእ፥ በዓል ገዛ እዩ ዝመስል” በሎም።
ከም መጠን ምስትውዓሎም፥ ነቲ ቓል በዝ ኸምዙይ ዝበለ ምስላታት ይነግሮም ነበረ።
ጐይታ ድማ ኸምዙይ በለ፦ “እቲ ቐለቦም በብጊዜኡ ኽህቦም፥ ጐይታኡ ኣብ ቤተሰቡ ዝሸሞ እሙንን መስተውዓልን መጋቢ መን እዩ?
“ኣቱም ሰብ እስራኤል፥ ነዝ ነገር እዙይ ስምዑ፤ ከምቲ ባዕልኻትኩም እትፈልጥዎ፥ ናይ ናዝሬት ኢየሱስ፥ በቲ እግዚኣብሄር ብእኡ፥ ኣብ ማእኸልኩም ዝገበሮ ሓይልን ተኣምራትን ምልክትን፥ እግዚኣብሄር ዝመስከረሉ ሰብ እዩ ነይሩ።
ኵሉ ፍቓድ እግዚኣብሄር ደኣ ነገርኩኹም እምበር፥ ዘትረፍኩልኩም የብለይን።
እቲ በዝ ኸምዙይ ንክርስቶስ ዘገልግል፥ ንእግዚኣብሄር የሐጕሶ፤ ብሰብውን ምስጉን እዩ።
ነቲ ምእንቲ ክርስቶስ ፈተና ተቐቢሉ፥ እሙን ኾይኑ ዝተረኽበ ኤጴሌን፥ ሰላም በሉለይ። ንእንዳ ኣርስጠቦሉ፥ ሰላም በሉለይ።
ሞይቶም ከም ዝተስኡ፥ ርእስኹም ንእግዚኣብሄር ወፍዩ እምበር፥ ኣካላትኩም መሳርሒ ኽፍኣት ክኸውን፥ ንሓጢኣት ኣይትሃብዎ፤ ኣካላትኩምስ፥ መሳርሒ ፅድቂ ክኸውን፥ ንእግዚኣብሄር ደኣ ወፍይዎ።
ኣብ ማእኸል እቶም ለባማት ዝኾኑ ግና፥ ጥበብ ንናገር ኢና፤ እቲ እንናገሮ ግና፥ ጥበብ እዛ ዓለም፥ ወይ ጥበብ ናይቶም ዝሓልፉ ገዛእቲ እዛ ዓለም እዚኣ ኣይኮነን።
እቲ እግዚኣብሄር ዝንእዶ እምበር፥ እቲ ንባዕሉ ዝንእድ ሰብ ኣይኮነን ተቐባልነት ዝረክብ።
ናይታ ብፊደል ዝተፅሓፈት ሕጊ ዘይኮነስ፥ ናይታ ብመንፈስ ቅዱስ ዝኾነት ሓዳስ ኪዳን፥ ኣገልገልቲ ኽንከውን ብቑዓት ዝገበረና እግዚኣብሄር እዩ፤ ፈደል ይቐትል፥ መንፈስ ግና ህይወት ይህብ እዩ እሞ።
እኳ ደኣ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ነቲ ሓቂ ኣብ ሕሊና ነፍሲ ወከፍ ሰብ፥ ብገሃድ ነቕርብ እምበር፥ ብተንኰል ኣይተመላለስናን፤ ንቓል እግዚኣብሄርውን ኣይለወጥናን፤ ነቲ ብሕቡእ ዝግበር ነውራም ነገርውን፥ ካባና ኣርሒቕናዮ ኢና።
ብህይወት እናሃለና ኾነ እንተ ተፈለና፥ ንእኡ ንምሕጓስ ንፅዕር ኣለና።
በዙይከ ናይ ሰብ ናእዳ ድየ ዝደሊ ዘለኹ? ወይ ከዓ ናይ ኣምላኽ? ወይ ንሰብ ከሐጕስ ድየ ዝደሊ ዘለኹ? ንሰብ ከሐጕስ እንተ ዝደልስ፥ ባርያ ክርስቶስ ኣይምኾንኩን ነይረ።
ንስኻትኩምውን፥ ነቲ ናይ ምድሓንኩም ቃል ሓቂ ዝኾነ ወንጌል ምስ ሰማዕኹም፥ ብእኡውን ምስ ኣመንኩም፥ በቲ ዘተስፈዎ መንፈስ ቅዱስ ሓቲሙ፥ ናቱ ገበረኩም።
እኳ ደኣ ነቲ ሕድሪ ዝተውሃበና ወንጌል፥ ብእግዚኣብሄር ከም ዝተመስከረሎም ሰባት ንዛረብ ኣለና። ዕላማና ንሰብ ዘይኮነስ፥ ነቲ ልቢ ዝምርምር እግዚኣብሄር ምሕጓስ እዩ።
ኣቱም ኣሕዋትና፥ ነቶም ብዘይ ስርዓት ዝነብሩ ገስፅዎም፤ ነቶም ተስፋ ዝቐበፁ ኣተባብዕዎም፤ ነቶም ድኹማት ሓግዝዎም፤ ምስ ኵሉውን ዕጉሳት ክትኮኑ፥ ንምዕደኩም ኣለና።
እዝ ትምህርቲ እዙይ፥ ነቶም ኣሕዋት እንተ ገለፅካሎም፥ ቃል እምነትን፥ እቲ ተኣሚንካ ዝሰዓብካዮ ፅቡቕ ትምህርትን፥ ዝተመገበ ሕያዋይ ኣገልጋሊ ኢየሱስ ክርስቶስ ክትከውን ኢኻ።
ስለዙይ፥ ሓደኳ ናይቲ ዘይምእዛዞም ኣርኣያ ተኸቲሉ ኸይወድቕ፥ ናብቲ ዕረፍቱ ኽንኣቱ ንፅዓር።
እቲ ብጊዜ ፈተና ዝዕገስ ሰብ፥ ዝተባረኸ እዩ፤ ተፈቲኑ ምስ ወፀ፥ እግዚኣብሄር ነቶም ዘፍቅርዎ ዘተስፈዎም፥ ኣኽሊል ህይወት ክቕበል እዩ እሞ።
ናይ ኵሉ ፍጥረቱ በዅሪ ምእንቲ ኽንከውን ኢሉ፥ ከም ፍቓዱ፥ ብቓል ሓቂ ወለደና።
ስለዙይ፥ ኣቱም ኣሕዋትና፥ ንፅውዓኹምን ምሕራይኩምን ክተፅንዕዎ፥ ኣብሊፅኩም ተጋደሉ። እዙይ እንተ ጌርኩም፥ ከቶ ኣይትወድቁን ኢኹም።
ኣነ ምስ ተፈለኹኹም፥ ነዝ ነገራት እዙይ፥ ክትዝክርዎ ምእንቲ ኽትክእሉ እፅዕር ኣለኹ።
ስለዙይ ከዓ፥ ኣቱም ፍቑራተይ፥ ነዙይ እናተፀበኹም፥ ብዘይ ነውርን፥ ብዘይ ነቐፋን ኴንኩም፥ ብሰላም ምእንቲ ኽረኽበኩም፥ ብትግሃት ንበሩ።