13 እሙናት እንተ ዘይኴንና፥ ንሱ ንባዕሉ ክኽሕድ ስለ ዘይኽእል፥ እሙን ኮይኑ እዩ ዝነብር።”
ኦ እግዚኣብሄር፥ ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ፤ ልዕል ልዕል ከብለካ ንስምካውን ክውድሶ እየ፤ ነቲ ናይ ጥንቲ ዘደንቕ ምኽሪ፥ ብፍፁም ተኣማንነት ፈፂምካዮ ኢኻሞ።
እግዚኣብሄር ሓሰት ከይዛረብ ሰብ ኣይኮነን፤ ከይናሳሕ ከዓ ወዲ ሰብ ኣይኮነን፤ ንሱ ነቲ ዝበሎ ኣይገብሮንዶ? ነቲ ዝተዛረቦኸ ኣይፍፅሞንዶ?
ሰማይን ምድርን ይሓልፍ፤ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን።”
ካብኣቶም ዘይኣምኑ እንተ ሃልዮምከ፥ እቲ ናታቶም ዘይምእማን፥ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ተኣማንነትዶ ኸንቱ ይገብሮ እዩ?
ግና እቲ ቓል እግዚኣብሄር፥ በዙይ ከንቱ ኾይኑ ተሪፉ ማለት ኣይኮነን፤ እቶም ካብ እስራኤል ዝተወለዱ ዅሎም፥ እስራኤላውያን ኣይኮኑንሞ።
እቲ ምስ ወዱ፥ ምስ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ሕብረት ምእንቲ ኽህልወኩም፥ ዝፀውዐኩም እግዚኣብሄር እሙን እዩ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከም ዝኾነ፥ ንዝፈትውዎን ትእዛዙ ንዝሕልዉን ክሳዕ ሽሕ ትውልዲ ምሕረት ዝገብር፥ ቃል ኺዳኑውን ዝሕሉ እሙን ኣምላኽ ከም ዝኾነ፥ ፍለጡ።
እቲ ዝፀውዐኩም እሙን እዩ፤ ንሱውን ክገብሮ እዩ።
ግና እቲ ዘፅንዐኩምን፥ ካብ እቲ ኽፉእውን ዝሕልወኩምን ጐይታ፥ እሙን እዩ።
እዝ እምነት እዙይን፥ እዝ ፍልጠት እዙይን፥ እቲ ዘይሕሱ እግዚኣብሄር፥ ቅድሚ ዘመናት ዘተስፈዎ፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ።
እምበኣር ንሕና በዘን ክልተ ዘይልወጣ ነገራት፥ ማለት ተስፋኡን ማሕላኡን፥ እግዚኣብሄር ከዓ ብኣኣተን ክሕሱ ዘይከኣሎ፥ ነታ ኣብ ቅድሜና ዘላ ተስፋ ንምውራስ፥ ናብኡ ተማዕቚብና ዘለና፥ ብርቱዕ ምፅንናዕ ክንረክብ ኢና።