Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




2ይ ጢሞቴዎስ 2:11 - መፅሓፍ ቅዱስ

11 እዝ ቓል እዙይ እሙን እዩ፤ “ምስኡ እንተ ሞትና፥ ምስኡ ኸዓ ብህይወት ክንነብር ኢና።

Ver Capítulo Copiar




2ይ ጢሞቴዎስ 2:11
12 Referencias Cruzadas  

ደጊም ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ፥ ዓለም ኣይሪአንን እዩ፤ ንስኻትኩም ግና፥ ክትሪኡኒ ኢኹም፤ ከምቲ ኣነ ህያው ዝኾንኩ፥ ንስኻትኩምውን ህያዋን ክትኮኑ ኢኹም።


ሞቱ ብዝመስል ሞት ምሰኡ እንተ ሓቢርና፥ ትንሳኤኡ ብዝመስል ትንሳኤውን፥ ምስኡ ኽንሓብር ኢና።


ንሕና ምስ ክርስቶስ ካብ ሞትና፥ ምስኡ ድማ ብህይወት ከም እንነብር ነኣምን ኢና።


ብርግፅ ክርስቶስ ብድኻም እዩ ተሰቒሉ፤ ብሓይሊ እግዚኣብሄር ግና፥ ህያው ኮይኑ ይነብር ኣሎ። ንሕናውን ተኻፈልቲ ድኻሙ ኢና፤ ኣብ ማእኸልኩም ክንሰርሕ እንተለና ግና፥ ብሓይሊ እግዚኣብሄር፥ ህያዋን ኴንና ኽንነብር ኢና።


ህይወት ኢየሱስ፥ ኣብ መዋታይ ሰብነትና ምእንቲ ኽትገሃድውን፥ ሞት ኢየሱስ ኣብ ሰብነትና ዅልሻዕ ንፀውር ኣለና።


ብድሕሪዙይ ንሕና ብህይወት እንፀንሕ፥ ንጐይታ ኣብ ኣየር ክንቅበሎ፥ ምስኣቶም ሓቢርና፥ ብደመና ክንዓርግ ኢና። ንሓዋሩ ድማ፥ ምስ ጐይታ ኽንነብር ኢና።


እንተ ነቓሕና ወይ እንተ ደቀስና፥ ምስኡ ሓቢርና ብህይወት ምእንቲ ኽንነብር ኢሉ፥ ክርስቶስ ምእንታና ሞተ።


“ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ንሓጥኣን ከድሕን መፀ” ዝብል ቃል፥ እሙንን ኵሉ ሰብ ክቕበሎ ዝግባእን እዩ። ኣነ ኸዓ፥ ካብ ኵሉ ዝገደድኩ ሓጢኣተኛ እየ።


ኤጲስ ቆጶስ ክሽየም ዝደሊ “ሰናይ ነገር ይምነ” ዝብል ቃል፥ ሓቂ እዩ።


እዙይ እሙን ዘረባ እዩ። ነቶም ብእግዚኣብሄር ዝኣመኑ፥ ሰናይ ግብሪ ንምግባር ምእንቲ ኽተግሁ፥ ነዙይ ኣፀቢቕካ ኽተረድኦም እደሊ ኣለኹ። እዙይ ፅቡቕን ንሰብ ዝጠቅምን እዩ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos