1 እምበኣር፥ ጢሞቴዎስ ወደይ፥ በቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎ ፀጋ በርትዕ።
ሕዚ ኸዓ፥ ኦ ዘሩባቤል፥ ፅናዕ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ንስኻ ኢያሱ ወዲ ሊቀ ካህናት ኢዮሴዴቅውን ፅናዕ፤ ኵልኻትኩም ህዝቢ እታ ሃገርውን ፅንዑ፤ ስርሑውን፤ ይብል እግዚኣብሄር። ኣነ ምሳኻትኩም እየ እሞ፥ ስርሑ” ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
ንቕሑ፤ ኣብ እምነትኩም ፅንዑ፤ በርትዑ፤ ጠንክሩ፤
ብዝተረፈ ኣሕዋተይ፥ ብጐይታን ብፅንዓት ሓይሉን ጠንክሩ።
በቲ ሓይሊ ዝህበኒ ክርስቶስ፥ ንዅሉ ኽገብሮ እኽእል እየ።
ጢሞቴዎስ ወደይ፥ ኣብቲ ዝተነግረልካ ናይ ትንቢት ቃላት ተመስሪተ፥ እዝ ትእዛዝ እዙይ ሓደራ እህበካ ኣለኹ። ነቲ ዝተነገረካ ቓል ኣፅኒዕኻ ሓዞ፤ ተቢዕኻውን ሰናይ ገድሊ ተጋደል።
ናብቲ ብእምነት፥ ናይ ሓቂ ወደይ ዝኾነ ጢሞቴዎስ፥ ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፀጋን ምሕረትን ሰላምን ንኣኻ ይኹን።
ብክርስቶስ ኢየሱስ ንዝርከብ ናይ ህይወት ተስፋ፥ ብፍቓድ እግዚኣብሄር፥ ሃዋርያ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዝኾነ ጳውሎስ፥
ናብ ዝፈትዎ ወደይ ጢሞቴዎስ፤ ካብ እግዚኣብሄር ኣብን፥ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፀጋ፥ ምሕረት፥ ሰላም፥ ንኣኻ ይኹን።
እግዚኣብሄር ዝሃበና፥ መንፈስ ሓይልን፥ ፍቕርን፥ ንባዕልኻ ምግዛእን እምበር፥ መንፈስ ፍርሓት ኣይሃበናንሞ።
ስለዙይ እቶም ሕሩያት፥ ነቲ ዘለኣለማዊ ኽብሪ ዘውህብ፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝርከብ ድሕነት ምእንቲ ኽረኽቡ፥ ንዅሉ እዕገስ ኣለኹ።
ግና እቲ ወንጌል ብምልኣት ብኣይ ምእንቲ ኽስበኽ፥ ኵሎም ኣህዛብውን ምእንቲ ኽሰምዕዎ፥ ጐይታ ምሳይ ኮይኑ ኣበርትዐኒ፤ ካብ ኣፍ ኣንበሳውን ኣናገፈኒ።
ከምቲ ኣገልጋሊየይ ሙሴ ዝኣዘዘካ፥ ንዅሉ ሕጊ ተጠንቂቕካ ሓልዎ። ፅናዕ፤ ኣይዞኻ ትባዕ። ብዅሉ እትኸዶ ምእንቲ ኽቐንዐካ ኻብቲ ሕጊ ንየማን ወይ ንፀጋም ኣይትበል።
ግና ብናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ፀጋን ፍልጠትን ዕብዩ። ንእኡ፥ ሕዝን ንዘለኣለመ ኣለምን፥ ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን።