7 እግዚኣብሄር ዝሃበና፥ መንፈስ ሓይልን፥ ፍቕርን፥ ንባዕልኻ ምግዛእን እምበር፥ መንፈስ ፍርሓት ኣይሃበናንሞ።
ኣነ ምእንቲ ኸይሓፍር፥ ልበይ ብስርዓታትካ ቕኑዕ ይኹን።
ንሱ ንቕኑዓት ድሕነት ይእክበሎም፤ ብዘይ ነውሪ ንዝኸዱ ኸዓ ዋልታኦም ይኸውን።
ምኽርን ቅኑዕ ፍርድን ናተይ እዮም፤ ምስትውዓል ኣነ እየ፤ ሓይልውን ኣለኒ።
መንፈስ እግዚኣብሄር፥ መንፈስ ጥበብን ምስትውዓልን፥ መንፈስ ምኽርን ሓይልን፥ መንፈስ ፍልጠትን ፍርሓት እግዚኣብሄርን፥ ኣብ ልዕሊኡ ኽዓርፍ እዩ።
ኣነ ግና ንያእቆብ በደሉ፥ ንእስራኤል ከዓ ሓጢኣቱ ኽነግር፥ ብመንፈስ እግዚኣብሄር፥ ሓይልን ፍርድን ትብዓትን ተመሊአ ኣለኹ።
መሊሱ “ንዘሩባቤል፥ ዝተብሃሎ ቓል እግዚኣብሄር እዙይ እዩ፦ ብመንፈሰይ እምበር፥ ብሓይልን ብብርተዐን ኣይኮነን፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
እንሆ፥ ተመንን ዕንቅርቢትን ኵሉ ሓይሊ ፀላእን ክትረግፁ፥ ስልጣን ሂበኩም ኣለኹ፤ ዝጐድአኩምውን ከቶ የለን።
ሽዑ ናብ ልቡ ተመሊሱ ‘እንጀራ ዝተርፎም ኣገልገልቲ ኣቦይ ክንደይ እዮም፤ ኣነ ግና ኣብዙይ ብጥሜት እመውት ኣለኹ።’
“እንሆ ኣነ፥ ተስፋ ኣቦይ ክሰደልኩም እየ፤ ንስኻትኩም ግና፥ ካብ ላዕሊ ሓይሊ ኽሳዕ እትለብሱ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ፅንሑ” በሎም።
እቶም ህዝቢ ድማ እቲ ዝኾነ ነገር ክሪኡ ወፁ፤ ናብ ኢየሱስ መፂኦም ከዓ፥ እቲ ኣጋንንቲ ዝወፁሉ ሰብኣይ፥ ክዳኑ ተኸዲኑ፥ ናብ ልቡ ተመሊሱ፥ ኣብ እግሪ ኢየሱስ ተቐሚጡ ረኸብዎ እሞ ፈርሑ።
ሰላም እሓድገልኩም ኣለኹ፤ ሰላመይውን እህበኩም ኣለኹ፤ እቲ ኣነ ዝህበኩም ዘለኹ፥ ከምቲ ዓለም ዝህቦ ኣይኮነን፤ ልብኹም ኣይሸበር፤ ኣይፍራሕውን።
መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ምስ ወረደ ግና፥ ሓይሊ ኽትቅበሉ ኢኹም። ኣብ ኢየሩሳሌምን፥ ኣብ ኵላ ይሁዳን፥ ኣብ ሰማርያን፥ ክሳዕ ወሰን ምድሪ እውን፥ መሰኻኽረይ ክትኮኑ ኢኹም” በሎም።
እግዚኣብሄር ከመይ ኢሉ፥ ንናይ ናዝሬት ኢየሱስ፥ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓይልን ከም ዝቐብኦ፥ ንሱ ኸዓ እግዚኣብሄር ምስኡ ስለ ዝነበረ፥ ኣብ ኵሉ ፅቡቕ ከም ዝገበረን፥ ንዅሎም ነቶም ንሰይጣን ዝተገዝኡ ኸም ዘሕወየውን፥ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም።
ኣነ ግና ፀጋ እግዚኣብሄር ዝኾነ ወንጌል ንኽምስክርን ካብ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተውሃበኒ ልእኽቶይን ጕያይን ክሳዕ ዝፍፅም፥ ንህይወተይ ኣየናሕስየላን፤ ከም ክብርቲ ገይረውን ኣይሪኣን እየ።”
ሽዑ ጳውሎስ “ንምንታይ ከምዙይ ትገብሩ? ስለ ምንታይከ ትበኽዩ? ንምንታይከ፥ ልበይ ትሰብሩኒ ኣለኹም? ኣነ ምእንቲ ስም ጐይታና ኢየሱስ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ንማእሰርቲ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ንሙማትውን ድልዊ እየ” ኢሉ መለሰ።
ኣብ ኵሉ ኣብያተ ፀሎት ድማ፥ ብዙሕ ጊዜ እናቐፃዕኹ፥ እምነቶም ከም ዝኽሕዱ ገበርክዎም፤ የመና እናደድ ስለ ዝነበርኩ ኸዓ፥ ክሳዕ እተን ኣብ ወፃኢ ዝነበራ ኸተማታት እናሰዓብኩ፥ ኣሳጕጎም ነበርኩ።”
ጳውሎስ ከዓ፥ “ኦ ኽቡር ፊስጦስ! እታ ፅርይቲ ሓቂ እየ ዝዛረብ ዘለኹ እምበር፥ ኣይዓበድኩን።
እስጢፋኖስ ድማ ፀጋን ሓይልን መሊእዎ፥ ኣብ ማእኸል እቲ ህዝቢ፥ ዓበይቲ ምልክታትን ተኣምራትን ይገብር ነበረ።
ሳውል ግና እናበርትዐ ኸደ፤ ነቶም ኣብ ደማስቆ ዝቕመጡ ዝነበሩ ኣይሁድ ከዓ፥ ኢየሱስ ብሓቂ፥ እቲ ክርስቶስ ከም ዝኾነ እናረድአ ይረትዖም ነበረ።
እታ ተስፋ ድማ ኣይተሕፍርን እያ፤ በቲ ዝተውሃበና መንፈስ ቅዱስ፥ ፍቕሪ እግዚኣብሄር ኣብ ልብና መሊኡ እዩ እሞ።
ንስኻትኩም ነቲ ብእኡ ጌርና “ኣባ! ኣቦ!” ኢልና እንፅውዐሉ፥ መንፈስ ውሉድነት ኢኹም ዝተቐበልኩም እምበር፥ ናብ ፍርሓት ክትምለሱ፥ መንፈስ ባርነት ኣይተቐበልኩምን።
ቃለይን ስብከተይን፥ ንመንፈስ ቅዱስን ሓይሉን ዝገልፅ እምበር፥ ብዝጥብር ቃል ጥበብ ኣይነበረን።
ፍረ መንፈስ ቅዱስ ግና፥ ፍቕሪ፥ ሓጐስ፥ ሰላም፥ ትዕግስቲ፥ ልግሲ፥ ሕያዋይነት፥ እምነት፥
ብዛዕባ እቲ ብመንፈስ ቅዱስ ዘለኩም ፍቕሪውን ዝነገረና፥ ንሱ እዩ።
ነቶም ብናይ ሞት ፍርሓት፥ ምሉእ ዕድመኣቶም ብባርነት ተኣሲሮም ንዝነበሩ ኸዓ፥ ሓራ ምእንቲ ኸውፅእ ኢሉ እዩ።
ንሓቂ ብምእዛዝኩም፥ ግብዝና ንዘይብላ ፍቕሪ ኣሕዋት፥ ነፍስኹም ስለ ዘፅረኹም፥ ብምሉእ ልብኹም ንስንሳትኩም ተፋቐሩ።
እታ ፍፅምቲ ፍቕሪ፥ ንፍርሓት ኣውፂኣ ደኣ ትድርብያ እምበር፥ ኣብ ፍቕርስ ፍርሓት የለን። ፍርሓት፥ ምስ መቕፃዕቲ ዝተተሓሓዘት ስለ ዝኾነት፥ እቲ ዝፈርሕ ሰብ፥ ፍቕሩ ፍፁም ኣይኮነን።