4 ንብዓትካ እናዘከርኩ፥ ብታሕጓስ ምእንቲ ኽምላእ ኸዓ፥ ክሪአካ እናፍቕ ኣለኹ።
እቶም ብንብዓት ዝዘርኡ፥ ብታሕጓስ ይዓፅዱ።
“እግዚኣብሄር ንኽብሩ ዝተኸሎም ኣእዋም ፅድቂ” ተብሂሎም ምእንቲ ኽፅውዑ ድማ፥ ንሕዙናት ፅዮን፥ ክንዲ ሓሙዅሽቲ፥ ኣኽሊል ኽደፍአሎም፥ ክንዲ ሓዘን ከዓ ዘይቲ ሓጐስ፥ ክንዲ መንፈስ ጓሂውን፥ ክዳን ምስጋና ኽህቦም ለኣኸኒ።
ሽዑ እታ ድንግል ብጐይላ ባህ ክብላ እዩ፤ ኣጓብዝን ኣረጋውያንንውን፥ ሓቢሮም ክሕጐሱ እዮም፤ ንሓዘኖም ናብ ሓጐስ ክልውጦ እየ፤ ከፀናንዖምውን እየ።
ከምኡውን ንስኻትኩም፥ ሕዚ ሓዚንኩም ኣለኹም፤ ግና መሊሰ ኽሪአኩም እየ፤ ልብኹምውን ክሕጐስ እዩ፤ ንሓጐስኩም ድማ፥ ካባኻትኩም ዝወስዶ የለን።
ክሳዕ ሕዚ ሓንቲ እኳ ብስመይ ኣይለመንኩምን። ሓጐስኩም ምሉእ ምእንቲ ክኸውን፥ ለምኑ፤ ክትረኽቡ ድማ ኢኹም።
ብተንኰል ኣይሁድ ፈተና እንተ በፅሐኒ እኳ፥ ብዅሉ ትሕትናን ብብዙሕ ንብዓትን፥ ንጐይታ ኸመይ ገይረ ኸም ዘገልገልኩ፥
ስለዙይ ሰለስተ ዓመት ምሉእ ለይትን መዓልትን፥ ብንብዓት ንነፍሲ ወከፍኩም ምምዓድ ከም ዘየቋረፅኩ እናዘከርኩም ንቕሑ።
ብእምነት ምእንቲ ኽትፀንዑ፥ መንፈሳዊ ውህብቶ ኸካፍለኩም ስለ ዝደሊ፥ ክሪአኩም እናፍቕ ኣለኹ።
ብፍቕሪ ክርስቶስ ኢየሱስ፥ ንዅልኻትኩም ከመይ ገይረ ኸም ዝናፍቐኩም፥ እግዚኣብሄር ምስክረይ እዩ።
ንሱ ብዙሕ ናፊቑኩም ኣሎ፤ ምሕማሙ ኸም ዝሰማዕኹም ስለ ዝፈለጠ ኸዓ፥ ተጨኒቑ ኣሎ።
እንተ ኾነ ኣሕዋተይ፥ ንሕና ግና ብልብና ምሳኻትኩም እኳ እንተ ሃለና፥ ብኣካል ንሓፂር ጊዜ ኻባኻትኩም ተፈሊና ስለ ዝነበርና፥ ገፅኩም ክንርኢ ብዙሕ ናፍቖትን ሃረርታን ነይሩና።
ቅድሚ ኽረምቲ ንኽትመፅእ ዝከኣለካ ግበር። ኤውግሎስን ጱዴስን ሊኖስን ቀላውድያንን ኣሕዋትናውን፥ ሰላም ይብሉኻ ኣለዉ።
ጢሞቴዎስ፥ ቀልጢፍካ ናባይ ምፃእ።
እዝ እንፅሕፈልኩም ዘለና፥ ሓጐስኩም ምሉእ ምእንቲ ክኸውን ኢልና ኢና።
እግዚኣብሄር ከዓ፥ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ክሕብስ እዩ። እቲ ቐዳማይ ስርዓት ሓሊፉ እዩ፤ እንሆ ዅሉ ተሓዲሱ እዩ እሞ፥ ድሕሪ ደጊም ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይህሉን እዩ” እንትብል ሰማዕኹ።
እቲ ኣብ ማእኸል ዙፋን ዘሎ በጊዕ፥ ክጓስዮም እዩሞ፥ ናብ ዒላታት ማይ ህይወትውን፥ ክመርሖም እዩሞ፤ እግዚኣብሄርውን፥ ካብ ኣዒንቶም፥ ኵሉ ንብዓት ኽሕብሰሎም እዩ” በለኒ።