18 በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ጐይታ እግዚኣብሄር ምሕረት ይሃቦ። ኣብ ኤፌሶን ክንደይ ከም ዘገልገለኒውን፥ ንስኻ ኣፀቢቕካ ትፈልጥ ኢኻ።
ሽዑ ኤልያስ “ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፥ ስለ ምንታይ ነዛ ኣነ ምስኣ ብእንግድነት ዝነብር ዘለኹ መበለት ወዳ ብምቕታል ክፉእ ኣውረድካላ?” ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ።
ምስ ኣቦታትና ምሕረት ክገብር፥ ነቲ ቕዱስ ኪዳኑ ዘከሮ።
በቲ ርህራሀን ምሕረትን ኣምላኽና፥ ካብ ላዕሊ ብርሃን በሪቑ ኽበፅሐና እዩ።
ዮሃና ሰበይቲ ኩዛ ኣዛዚ ቤት ሄሮድስ፥ ሶስና፥ ብገንዘባተን ዘገልገላኦም ካልኦት ብዙሓትውን ምስኡ ነበራ።
ኣብ ኤፌሶን ምስ በፅሑ፥ ንጵርስቅላን ኣቂላን ኣብኡ ሓደጎም፤ ናብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ኣትዩ ድማ፥ ምስቶም ኣይሁድ ተነጋገረ።
ከፋንውዎ እንተለዉ “በቲ ዝመፅእ በዓል፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ግድን ከኽብር ኣለኒ። ፍቓድ እግዚኣብሄር እንተ ኾይኑ፥ ናባኻትኩም ክምለስ እየ” ኢሉ ተሰናቢቱ፥ ካብ ኤፌሶን ብመርከብ ከደ።
ኣጵሎስ ኣብ ቆሮንቶስ እንተሎ፥ ጳውሎስ በቲ ላዕላይ ሃገር ሓሊፉ፥ ናብ ኤፌሶን መፀ። ኣብኡ ኸዓ ውሑዳት ደቀ መዛሙርት ረኸበ።
ብመዓልቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ብዘይ ነውሪ ንኽትርከቡ፥ ንሱ ኽሳዕ መወዳእታ ኸፅንዐኩም እዩ።
ግና ኽሳዕ በዓለ ሓምሳ፥ ኣብ ኤፌሶን ክፀንሕ እየ።
ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ስራሕ፥ ክገሃድ እዩ፤ እታ መዓልቲ፥ ብሓዊ ኽትግለፅ ስለ ዝኾነት ክትቀልዖ እያ፤ ስራሕ ነፍሲ ወከፍ ከመይ ከም ዝኾነ ኸዓ፥ እቲ ሓዊ ኽፍትኖ እዩ።
ብዛዕባ ነቶም ቅዱሳን ዝኸውን ረድኤት ክፅሕፈልኩም ዘድሊ ኣይመስለንን።
ግና እቲ ብምሕረት ሃብታም ዝኾነ እግዚኣብሄር፥ ምእንቲ እታ ብኣኣ ገይሩ ዘፍቀረና ዓባይ ፍቕሩ፥
ተስፋና ወይ ሓጐስና ወይ ከዓ ኣብ ካልኣይ ምፅኣቱ፥ ኣብ ቅድሚ ጐይታና ኢየሱስ እንምክሐሉ፥ ኣኽሊልና መን ድዩ? ንስኻትኩምዶ ኣይኮንኩምን?
ከምቲ ናብ መቄዶንያ ክኸይድ እንተለኹ ሓደራ ዝበልኩኻ፥ ኣብ ኤፌሶን ፅናሕ እሞ፥ ገሊኣቶም ናይ ሓሰት ትምህርቲ ኸይምህሩ ኣዝዝ።
በዝ ምኽንያትዙይ ከዓ እየ፥ መከራ ዝቕበል ዘለኹ፤ ግና ንመን ከም ዝኣመንኩ ስለ ዝፈልጥ፥ ኣይሓፍርን እየ። ንሱ ኸዓ ነቲ ዝሃብክዎ ሕድሪ፥ ክሳዕ እታ መዓልቲ ጐይታ ኽሕልወለይ ከም ዝኽእል ርግፀኛ እየ።
እግዚኣብሄር ንቤተ ሰብ ሄኔሴፎሩ፥ ምሕረት ይሃቦም፤ ንሱ ብምእሳረይ እንተይሓፈረ፥ ብዙሕ ጊዜ ኣዕሪፉኒ እዩ እሞ።
ኣብ ሮሜ ምስ መፀውን፥ ክሳዕ ዝረኽበኒ ብዙሕ ደኺሙ እዩ።
ንቲኪቆስ ግና፥ ናብ ኤፌሶን ሰዲደዮ ኣለኹ።
ደጊም እቲ ቕኑዕ ፈራዲ ዝኾነ ጐይታ፥ በታ መወዳእታ መዓልቲ እቲኣ፥ ዝህበኒ ኣኽሊል ፅድቂ ተዳልዩለይ ኣሎ። እዙይውን ንበይነይ ኣይኮነን፤ ነቶም ናቱ ምምፃእ ዝፈትዉ ዅሎምውን እምበር።
እግዚኣብሄር ቅኑዕ ፈራዲ ስለ ዝኾነ፥ ነቲ ምእንቲ ፍቕሩ ኢልኩም፥ ብስሙ ነቶም ቅዱሳን ዘገልገልኩምዎምን፥ እተገልግልዎም ዘለኹምን፥ ስራሕኹም ዝርስዕ ኣይኮነን።
እቶም ብዛዕባ እቲ ንኣኻትኩም ዝተመደበ ፀጋ ዝተነበዩ ነቢያት፥ ብዛዕባ እዝ ምድሓን እዙይ፥ ደለዩን መርመሩን፤
“ናብ መልኣኽ ቤተ ክርስቲያን ኤፌሶን፥ ከምዙይ ኢልካ ፀሓፍ፦ “ ‘እቲ ኣብ የማናይ ኢዱ፥ ሸውዓተ ኸዋኽብቲ ዝሓዘ፥ ኣብ ማእኸል እተን ሸውዓተ ቐወምቲ ናይ ወርቂ ቐናዲል ዝመላለስ፥ ከምዙይ ይብል፦