16 እግዚኣብሄር ንቤተ ሰብ ሄኔሴፎሩ፥ ምሕረት ይሃቦም፤ ንሱ ብምእሳረይ እንተይሓፈረ፥ ብዙሕ ጊዜ ኣዕሪፉኒ እዩ እሞ።
ሕዚ ኸዓ እግዚኣብሄር ርህራሀን ሓቅን ይግበረልኩም። ኣነ ድማ እዝ ነገር እዙይ ስለ ዝገበርኩም ሰናይ ክገብረልኩም እየ።
ስለዙይ ኦ ኣምላኸይ! ዘክረኒ፤ ነቲ ኣብ ቤት ኣምላኸይ እሙን ኮይነ ዝገበርክዎ ኣገልግሎት ከዓ ኸንቱ ኣይኹን።
ንሌዋውያን ከዓ ንመዓልቲ ሰንበት ምእንቲ ኽቕድስዋ፥ ክነፅሁን ነተን በርታት ኢየሩሳሌም ድማ ኽሕልዉወንን ኣዘዝክዎም።” ኦ ኣምላኸይ፥ በዝ ዝገበርክዎ ዘክረኒ፤ ከም ብዝሒ ምሕረትካውን ራህርሀለይ።
ብዛዕባ እቲ ንመስዋእቲ ዝኸውን ዕንፀይትን ብዛዕባ በዅራትን በቲ ዝተመደበ ጊዜ ኽቐርብ ኣዘዝኩ። ኦ ኣምላኸይ፥ ብፅቡቕ ዘክረኒ!
ኦ ኣምላኸይ፥ ኵሉ ነዝ ህዝቢ እዙይ ዝገበርክዎ፥ ንፅቡቕ ሕሰበለይ።
ምስ ፃድቕ፥ ፃድቕ ትኸውን፤ ምስ ቕኑዕ፥ ቅኑዕ ትኸውን።
ኵልሻዕውን ይርህርህን የለቅሕን፤ ዘርኡ ድማ ብበረኸት ይነብር።
በታ መዓልቲ እቲኣ ኸናግፈካ እየ፤ ንስኻ ድማ ኣብ ኢድ እቶም እትፈርሖም ዘለኻ ሰባት ኣይትወድቕን ኢኻ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
እቲ ኽልተ መክሊት ዝተቐበለ ድማ፥ ካልእ ኽልተ መክሊት ኣትረፈ።
ዝምሕሩ ብፁኣን እዮም፤ ምሕረት ክረኽቡ እዮም እሞ።
ድሕሪዙይ እቲ ሓለቓ ሽሕ ቀሪቡ ኣትሓዞ፤ ብኽልተ መቝሕ ክኣስርዎ ድማ ኣዘዘ፤ መን ምዃኑን እንታይ ከም ዝገበረንውን ጠየቐ።
እምበኣር ብዛዕባ እታ ተስፋ እስራኤል እየ፥ በዝ መቝሕ እዙይ ተኣሲረ ዘለኹ። በዝ ምኽንያት እዙይ እየ ኸዓ፥ ክሪአኩምን ክዛረበኩምን ዝፀዋዕኩኹም” በሎም።
ንመንፈሰይን ንመንፈስኩምን ኣዕሪፎም እዮም እሞ፥ ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ፍለጥዎም።
ምእንቲ ወንጌል እሱር ዝኾንኩ ልኡኽ እየ እሞ፥ ምእንታኡ ኸምቲ ዝግብአኒ፥ ብትብዓት ምእንቲ ኽዛረብ ፀልዩለይ።
በዝ ምኽንያትዙይ ከዓ እየ፥ መከራ ዝቕበል ዘለኹ፤ ግና ንመን ከም ዝኣመንኩ ስለ ዝፈልጥ፥ ኣይሓፍርን እየ። ንሱ ኸዓ ነቲ ዝሃብክዎ ሕድሪ፥ ክሳዕ እታ መዓልቲ ጐይታ ኽሕልወለይ ከም ዝኽእል ርግፀኛ እየ።
ኣብ ሮሜ ምስ መፀውን፥ ክሳዕ ዝረኽበኒ ብዙሕ ደኺሙ እዩ።
በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ጐይታ እግዚኣብሄር ምሕረት ይሃቦ። ኣብ ኤፌሶን ክንደይ ከም ዘገልገለኒውን፥ ንስኻ ኣፀቢቕካ ትፈልጥ ኢኻ።
እምበኣር ብዛዕባ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምምስካርን፥ ብኣይ ናይ ክርስቶስ እሱርን ኣይትሕፈር፤ እኳ ደኣ፥ በቲ እግዚኣብሄር ዝህበካ ሓይሊ፥ ምእንቲ ወንጌል ምሳይ መከራ ተቐበል እምበር።
ንጵርስቅላን ንኣቂላን ንስድራ ሄኔሴፎሩን ሰላም በለለይ።
እወ፥ ኣታ ሓወይ፥ ካባኻስ ብጐይታ ኽጥቀም እደሊ ኣለኹሞ፥ ብክርስቶስ ንልበይ ኣዕርፈለይ።
ኣታ ሓወይ፥ ልቢ ቅዱሳን ስለ ዘፀናናዕኻ፥ ብፍቕርኻ ብዙሕ ሓጐስን ምትብባዕን ረኺበ ኣለኹ።
ዝሐሸን ንዘለኣለም ዝነብርን ሃብቲ፥ ኣብ ሰማይ ከም ዘለኩም ፈሊጥኩም፥ ነቶም እሱራት ራህራህኹምሎም፤ ንብረትኩም እንትውረርውን ብሓጐስ ተቐበልኩምዎ።
እግዚኣብሄር ቅኑዕ ፈራዲ ስለ ዝኾነ፥ ነቲ ምእንቲ ፍቕሩ ኢልኩም፥ ብስሙ ነቶም ቅዱሳን ዘገልገልኩምዎምን፥ እተገልግልዎም ዘለኹምን፥ ስራሕኹም ዝርስዕ ኣይኮነን።
ኑሓሚን ከዓ ንኽልቲአን ኣንስቲ ደቃ “ኪዳ፥ ነፍሲ ወከፍክን ነናብ ገዛ እኖታትክን ተመለሳ። ከምቲ ነቶም ምዉታትን ንኣይን ፅቡቕ ዝገበርክናኦ፥ እግዚኣብሄር ንኣኻትክንውን ፅቡቕ ይግበረልክን።