Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




2ይ ጢሞቴዎስ 1:15 - መፅሓፍ ቅዱስ

15 እቶም ኣብ እስያ ዘለዉ ዅላቶም፥ ከም ዝጠለሙኒ ትፈልጥ ኢኻ። ኣብ መንጎኦም እኳ ፊጌሎስን ሄርዋጌኔስን እዮም።

Ver Capítulo Copiar




2ይ ጢሞቴዎስ 1:15
10 Referencias Cruzadas  

ጳውሎስን ብፆቱን፥ ኣብ እስያ ነቲ ቓል ከይነግሩ፥ መንፈስ ቅዱስ ምስ ከልከሎም፥ ናብ ፍርግያን ገላትያን ሓለፉ።


እዙይ፥ እቶም ኣብ እስያ ዝነበሩ ዅሎም ኣይሁድን ግሪካውያንን፥ ነቲ ቓል እግዚኣብሄር ክሳዕ ዝሰምዕዎ፥ ክልተ ዓመት ምሉእ ቀፀለ።


ዘፍርሐና ዘሎ፥ እታ ዅላ እስያን ብዘላ ዓለምን ዘምልኻ፥ ዓባይ ኣርጤምስ ዕብየታ ኸይሰዓር፥ መቕደሳውን ከም ከንቱ ኸይቝፀር እምበር፥ ስራሕና ኸይንዓቕ ጥራሕ ኣይኮነን።”


ካብ እስያ ዝኮኑ ሹመኛታት ፈተውቱ ልኢኾም፥ ናብቲ መአከቢ ህዝቢ ኸይኣቱ ለመንዎ።


ንሕና ሰብ ጳርቴን ሰብ ሜድን ሰብ ኢላምን፥ እቶም ኣብ መስጴጦምያን ኣብ ይሁዳን ኣብ ቀጰዶቅያን ኣብ ጳንጦስን ኣብ እስያን ዝነብሩ፥


ጳውሎስ፥ እንተ ኾይኑሉስ፥ ንበዓል ሓምሳ ኣብ ኢየሩሳሌም ክውዕል ተሃዊኹ ስለ ዝነበረ፥ ምእንቲ ኣብ እስያ ኸይንድንጒ ኢሉ፥ ናብ ኤፌሶን ከይኣቱ ወሰነ።


እተን ኣብ እስያ ዘለዋ ኣብያተ ክርስቲያን፥ ሰላም ይብላኹም ኣለዋ። ኣቂላን ጵርስቅላን ምስታ ኣብ ቤቶም እትእከብ ቤተ ክርስቲያን ኮይኖም፥ ብጐይታ ብዙሕ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ።


ኵላቶም ጥቕሚ ርእሶም እምበር፥ ብናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣይግደሱን እዮም።


መጀመርታ ጊዜ ናይ እተኸሰስኩሉ መልሲ ኸቕርብ እንተለኹ፥ እግዚኣብሄር ደኣ ኸም በደል ኣይቝፀረሎም እምበር፤ ኵላቶም ጠለሙኒ፤ ሓደኳ ምሳይ ኣይነበረን።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos