7 ምሳኻትኩም እንተለና፥ ብዘይ ስርዓት ኣይነበርናን እሞ፥ ከምቲ ንሕና እንገብሮ ኽትገብሩ ኸም ዝግብአኩም፥ ባዕልኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም።
ኵሉ ንግዳ ፅቡቕ ከም ዝኾነ ትርኢ፤ መብራህታ ብለይቲ ኣይጠፍእን።
ከምቲ ኣነ ንክርስቶስ ዝመስሎ ዘለኹ፥ ንስኻትኩምውን ንኣይ ምሰሉ።
ስለዙይ ንኣይ ምሰሉ እናበልኩ እልምነኩም ኣለኹ።
ኣሕዋተይ፥ ንኣይ ምሰሉ፤ ነቶም በታ ዝሃብናኩም ኣርኣያ ዝነብሩ ኸዓ፥ ኣስተውዕልዎም።
ነቲ ዅሉ ኻባይ ዝተምሃርኩምዎን፥ ዝተቐበልኩምዎን፥ ዝሰማዕኹምዎን፥ ኣባይውን ዝረአኹምዎን፥ ግበርዎ፤ ኣምላኽ ሰላም ከዓ፥ ምሳኻትኩም ክኸውን እዩ።
ኣባኻትኩም ኣብ ማእኸል እትኣምኑ፥ ብቕድስናን ብፅድቅን ብዘይ ነቐፋን ከም ዝነበርና፥ ንስኻትኩምን እግዚኣብሄርን ምስክር ኢኹም።
ኣቱም ኣሕዋትና፥ ነቶም ብዘይ ስርዓት ዝነብሩ ገስፅዎም፤ ነቶም ተስፋ ዝቐበፁ ኣተባብዕዎም፤ ነቶም ድኹማት ሓግዝዎም፤ ምስ ኵሉውን ዕጉሳት ክትኮኑ፥ ንምዕደኩም ኣለና።
ሕዚ ኸዓ ኣቱም ኣሕዋትና፥ በቲ ኻባና ዝተቐበልኩምዎ ትምህርቲ ዘይነብር፥ ብዘይ ስርዓት ካብ ዝመላለስ ሓው ክትፍለዩ፥ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ንእዝዘኩም ኣለና።
እዙይ ከዓ ኣርኣያ ኽንኮነኩምን፥ ንኣና ምእንቲ ኽትመስሉን ኢልና ኢና እምበር፥ ግቡእና ኽንረክብ መሰል ዘይብልና ዄንና ኣይኮነን።
ንንእስነትካ ሓደኳ ኣይንዓቆ። ግና ነቶም ኣመንቲ ብቓል፥ በካይዳ፥ ብፍቕሪ፥ ብእምነት፥ ብንፅህናውን ኣርኣያ ኹኖም።
እቶም ዝቃወሙ፥ ብዛዕባና ዝብልዎ ኽፉእ ነገር ስኢኖም ምእንቲ ኽሓፍሩስ፥ ክትምህር እንተለኻ እሙን ብምዃን፥ ብምስትውዓል፥ ነቐፋ ብዘይብሉ ዘረባ፥ ብዅሉ ሰናይ ግብሪ እናዘውተርካ ኣርኣያ ኹኖም።
ነቲ መጓሰ፥ ኣርኣያ ደኣ ኹንዎ እምበር፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ዝተውሃቡኹም መጓሰ፥ ጐይቶት ኣይትኹኑ።