Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




2ይ ተሰሎንቄ 3:6 - መፅሓፍ ቅዱስ

6 ሕዚ ኸዓ ኣቱም ኣሕዋትና፥ በቲ ኻባና ዝተቐበልኩምዎ ትምህርቲ ዘይነብር፥ ብዘይ ስርዓት ካብ ዝመላለስ ሓው ክትፍለዩ፥ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ንእዝዘኩም ኣለና።

Ver Capítulo Copiar




2ይ ተሰሎንቄ 3:6
24 Referencias Cruzadas  

ንኣኣቶም እንተ ዘይሰምዖም ድማ፥ ንቤተ ክርስቲያን ንገራ፤ ንቤተ ክርስቲያን እንተ ዘይሰምዓ ግና፥ ከም ኣረማዊን ከም ተቐባሊ ቀረፅን ቍፀሮ።


ኣሕዋተይ፥ ክትፍፅምዎ ኣብ ልዕሊ ዝተቐበልኩምዎ ትምህርቲ ዝቓወሙን፥ ኣብ ማእኸልኩም ምፍልላይን ፀገማትን ካብ ዘምፅኡ ሰባት ክትጥንቀቑ፥ ካብኣቶምውን ኽትርሕቑ ሓደራ እብለኩም ኣለኹ።


ብዅሉ ስለ እትዝክሩንን፥ ነቲ ኻባይ ዝተቐበልኩምዎ ስርዓትውን፥ ኣፅኒዕኹም ስለ ዝሓዝኩምዎን፥ እንእደኩም ኣለኹ።


“ምስ ዘማውያን ኣይትተሓወሱ” ኢለ ፅሒፈልኩም ነይረ።


ነቲ ይቕረ እትብሉሉ፥ ኣነውን ይቕረ እብለሉ ኣለኹ። እቲ ይቕረ ዝበልኩሉ ሰብ፥ ኣብ ቅድሚ ክርስቶስ ምእንታኻትኩም ኢለ እየ፥ ይቕረ ዝበልክዎ።


እምበኣርከስ፥ ንስኻትኩም ድሕሪ ደጊም፥ ከምቲ ኣህዛብ በቲ ኸንቱ ዝኾኑ ሓሳባት ዝነብሩዎ ኸይትነብሩ እነግረኩም፤ ብጐይታውን እምስክር ኣለኹ።


ብቓል ኮነ ወይ ብግብሪ እትገብርዎ ዅሉ፥ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ግበርዎ፤ ብእኡ ኸዓ፥ ንእግዚኣብሄር ኣብ ኣመስግንዎ።


ብዝተረፈ ኣሕዋተይ፥ ንእግዚኣብሄር ምእንቲ ኽተሐጕስዎ፥ ከመይ ጌርኩም ክትነብሩ ኸም ዝግብአኩም፥ ካባና ተምሂርኩም ኢኹም። ድሮ እኳ ትነብርዎ ኣለኹም። ሕዚ ኸዓ ነዙይ ብዝበለፀ ኽትነብርዎ፥ ብጐይታና ኢየሱስ ንልምነኩምን ነተባብዐኩምን ኣለና።


ኣብ ናብራኹም፥ ካብ ሰብ ምእንቲ ኸይትደልዩ፥ እቶም ካብ እምነት ወፃኢ ዘለዉ ኸዓ፥ ምእንቲ ከኽብሩኹም፥ ከምቲ ዝኣዘዝናኩም ብህድኣት ክትነብሩን፥ ኣብ ናይ ባዕልትኹም ጉዳይ ክተተኵሩን፥ ብኢድኩም ክትሰርሑን፥ ንምዕደኩም ኣለና።


ኣቱም ኣሕዋትና፥ ነቶም ብዘይ ስርዓት ዝነብሩ ገስፅዎም፤ ነቶም ተስፋ ዝቐበፁ ኣተባብዕዎም፤ ነቶም ድኹማት ሓግዝዎም፤ ምስ ኵሉውን ዕጉሳት ክትኮኑ፥ ንምዕደኩም ኣለና።


እምበኣር፥ ኣቱም ኣሕዋትና፥ ፀኒዕኹም ቁሙ፤ ነቲ ብቓል ኮነ ብመልእኽትና ዝመሃርናኩም፥ ኣፅኒዕኹም ሓዝዎ።


ምሳኻትኩም እንተለና፥ ብዘይ ስርዓት ኣይነበርናን እሞ፥ ከምቲ ንሕና እንገብሮ ኽትገብሩ ኸም ዝግብአኩም፥ ባዕልኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም።


ብዘይ ኣፈላላይን ብዘይ ኣድልዎን፥ ነዝ ምዕዶዙይ ክትሕሉ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን፥ ኣብ ቅድሚ ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ኣብ ቅድሚ እቶም ሕሩያት መላእኽትን፥ ኣማሕፅነካ ኣለኹ።


ኣብቶም እቲ ሓቂ ዘይብሎም ኣእምሮኦም ዝረኸሰ ሰባት ከዓ፥ ዘየቋርፅ ጐይቊ ይፈጥር፤ እዚኣቶም፥ መንፈሳዊነት ናይ ምድራዊ ረብሓ መርከቢ እዩ ዝመስሎም።


ስርዓት ኣምልኾ ኣለዎም፤ ነቲ ሓይሉ ግና ዝኸሓዱ እዮም እሞ፥ ካብዚኣቶም ረሓቕ።


ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ህያዋንን ኣብ ሙታንን ክፈርድ ዝመፅእ ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ብመንግስቱን ብምፅኣቱን፥ ኣማሕፅነካ ኣለኹ።


ነዝ ትምህርቲ እዙይ እንተይሓዘ ናባኻትኩም ንዝመፅእ፥ ኣብ ገዛኻትኩም ኣይትቀበልዎ፤ ሰላምውን ኣይትበልዎ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos