4 ነቲ እንእዝዘኩም ትፍፅምዎ ኸም ዘለኹም፥ ገናውን ከም እትፍፅምዎ፥ ኣባኻትኩም ብጐይታ እምነት ኣለና።
ኣሕዋተይ፥ ብሰናይ ነገርን፥ ብዅሉ ፍልጠትን ከም ዝተመላእኹም፥ ንስንሳትኩምውን ምምዕዓድ ከም እትኽእሉ፥ ኣነ ባዕለይ ተረዲአዮ ኣለኹ።
እንተ ኾነ፤ ኣህዛብ ንእግዚኣብሄር ምእንቲ ኽእዘዙ ኢሉ፥ ክርስቶስ ብቓልን ብግብርን ዝሰርሖ ዘሎ እንተ ዘይኮይኑ፥ ብኻልእ ኽዛረብ ኣይደፍርን።
ነቶም ሰናይ እናገበሩ፥ ምስጋናን ክብርን ዘለኣለማዊ ህይወትን ብትዕግስቲ ዝፅበዩ፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክህቦም እዩ።
ሓደ “ኣነ ነቢይ እየ” ወይ “መንፈሳዊ ውህብቶ ኣለኒ” ዝብል እንተ ሃልዩ፥ እዝ ዝፅሕፈልኩም ዘለኹ፥ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ምዃኑ ይፍለጥ።
ትእዛዛት እግዚኣብሄር ምሕላው እዩ ዝጠቅም እምበር፥ ምግራዝ ኮነ ዘይምግራዝ ዝጠቕሞ የብሉን።
እዝ ዝፅሕፈልኩም ዘለኹ፥ ክመፅእ እንተለኹ፥ ካብቶም ሓጐስ ክረኽበሎም ዝግበአኒ፥ ጓሂ ምእንቲ ኸይረክብ ኢለ እየ። ምኽንያቱ ሓጐሰይ፥ ሓጐስ ኵልኻትኩም ከም ዝኾነ፥ ከም እትፈልጡ ስለ ዝኣምን እየ።
ነዙይ ዝፅሕፈልኩም ዘለኹ፥ ነቲ ፈተና ስዒርኩም፥ ብዅሉ ነገር እዙዛት ምዃንኩም፥ ምእንቲ ኽፈልጥ ኢለ እየ።
ሕዚ እውን እንሆ እምብዛ ትጉህ ከም ዝኾነ፥ ብዙሕ ጊዜ ብብዙሕ ነገር መርሚርና ዝፈለጥናዮ፥ ሓደ ኻልእ ሓው፥ ምስኣቶም ንሰደልኩም ኣለና። ሕዚ እውን ኣባኻትኩም ዓብዪ እምነት ስለ ዘሕደረ፥ ብዝበለፀ ይተግህ ኣሎ።
ካብዙይ ዝተፈለየ ኻልእ ከም ዘይትሓስቡ፥ ብጐይታ እተኣማመን እየ። እቲ ዘደናግረኩም ዘሎ ግና፥ ዝኾነ ይኹን ፍርዱ ኽቕበል እዩ።
እቲ ኣብ ህይወትኩም ሰናይ ግብሪ ዝጀመረ እግዚኣብሄር፥ ክሳዕ እታ ክርስቶስ ኢየሱስ ተመሊሱ ዝመፀላ መዓልቲ፥ ከም ዝፍፅሞ ተረዲአ ኣለኹሞ።
እምበኣርከስ፥ ኣቱም ፍቑራተይ፥ ከምቲ ዅልሻዕ ተኣዘዝቲ ዝነበርኩም፥ ሕዚ ኸዓ ኣብ ቅድመይ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ኣውራ እኳ ደኣ ብድሕረይ፥ ብፍርሓትን ብራዕድን፥ ናይ ርእስኹም ድሕነት ንምፍፃም፥ ተጊህኹም ስርሑ።
ብርግፅ ኣብ ኵላ መቄዶንያ ንዘለዉ ኣሕዋት ትፈትዉ ኢኹም፤ ግና ኣቱም ኣሕዋትና፥ ነዙይ ብዝበለፀ ኽትገብርዎ ንምዕደኩም ኣለና።
ነዞም ከምዚኣቶም ዝመሰሉ፥ ብህድኣት እናሰርሑ፥ ናይ ባዕልቶም እንጀራ ኽበልዑ፥ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ንእዝዞምን ንምዕዶምን ኣለና።
ሕዚ ኸዓ ኣቱም ኣሕዋትና፥ በቲ ኻባና ዝተቐበልኩምዎ ትምህርቲ ዘይነብር፥ ብዘይ ስርዓት ካብ ዝመላለስ ሓው ክትፍለዩ፥ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ንእዝዘኩም ኣለና።
ካብዝ ዝብለካ ዘለኹ ኣብሊፅካ ኸም እትገብር ፈሊጠ፥ ከም እትእዘዘኒውን ኣሚነ እየ ዝፅሕፈልካ ዘለኹ።