2 ኵሉ ኸዓ ኣማኒ ኣይኮነን እሞ፥ ካብ ዓመፀኛታትን፥ ክፉኣት ሰባትን፥ ምእንቲ ኽንድሕን ፀልዩልና።
ኢየሱስ መሊሱ “ኣታ ዘይትኣምን ቀይናን ትውልዲ፥ ክሳዕ መኣዝ ምሳኻትኩም ክነብር እየ? ክሳዕ መኣዝከ ኽዕገሰኩም እየ? ናብዙይ ናባይ ኣምፅእዎ” በሎም።
“ኣቱም ግብዛት መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን፥ ካብ ጨና ኣዳም፥ ካብ ሽላን፥ ካብ ከሙን ዓስራት እተውፅኡ፤ እቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ኣውራ ነገር፥ ፍትሒ፥ ምሕረት፥ እምነት ግና እትሓድጉ ኢኹም እሞ ወይለኹም! ነዙይ ምግባር፥ ነቱይውን ዘይምሕዳግ ይግባእ።
ቀልጢፉ ኽፈርደሎም እዩ እብለኩም ኣለኹ። እንተ ኾነ፥ ወዲ ሰብ ምስ መፀስ፥ ኣብ ምድሪ እምነትዶ ኽረክብ ይኸውን?”
ኣይሁድ ግና፥ ነቶም ዝተኣከቡ ህዝቢ ምስ ረአዩ፥ ቅንኣት ሓደሮም፤ ነቲ ጳውሎስ ዝብሎ ዝነበረ ተቓወምዎ፤ ፀረፍዎውን።
ኣይሁድ ግና፥ ነተን እግዚኣብሄር ዝፈርሓ ኽቡራት ኣንስትን፥ ነቶም ዓበይቲ ዓድን ኣለዓዓልዎም፤ ኣብ ጳውሎስን ኣብ በርናባስንውን፥ ስደት ኣለዓዓሉ፤ ካብ ሃገሮምውን ሰጐጕዎም።
እቶም ምእማን ዝኣበዩ ኣይሁድ ግና፥ ነቶም ኣህዛብ፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣመንቲ ብፅልኢ ኸም ዝለዓዓሉ ገበርዎም።
እቶም ኣይሁድ ከዓ ቐኒኦም፥ ካብቲ ዕዳጋ፥ ክፉኣት ሰባት ኣምፂኦም፥ ህዝቢ ኣኪቦም ድማ፥ ነታ ኸተማ ሃወኽዋ፤ ንጳውሎስን ንሲላስን ኣውፂኦም፥ ናብቶም ህዝቢ ምእንቲ ኸቕርብዎም ድማ፥ ንገዛ ኢያሶን ከበብዋ።
ንሓደ እሱር መኽሰሲኡ እንተይነገርኩ ምስዳዱ፥ ቅኑዕ ኾይኑ ኣይተርአየንንሞ” በለ።
ገሊኣቶም ነቲ ዝተነግረ ኣመንዎ፤ ገሊኣቶም ግና ምእማን ኣበዩ።
ግና ኸምቲ ኢሳይያስ “ጐይታይ፥ ንምስክርነትና መን ኣመኖ?” ዝበሎ፥ ኵላቶም ንቓል ወንጌል ኣይተኣዘዙን።
እትፅልዩለይ ከዓ፥ ካብቶም ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ዘይኣምኑ ምእንቲ ኽድሕንን፥ እቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘወፍዮ ኣገልግሎተይ ድማ፥ በቶም ቅዱሳን ቅቡል ክኸውንን፥
ከም ኣተሓሳስባ ሰብ እንተ ኾይኑ፥ ኣነ ኣብ ኤፌሶን ምስ ኣራዊት ዝተዋጋእኹ ደኣ፥ እንታይ እዩ ረብሓይ? ምውታን ዘይትስኡ እንተ ኾይኖም ግና፥ ከምቲ “ዒራ ፅባሕ ክንመውት ኢናሞ ንብላዕ ንስተ” ዝብልዎዶ ኣይምኾነን?
በለ ድማ፦ ‘ንሳቶም ከዳዓት ትውልዲ፥ እምነት ዘይብሎም ውሉድ እዮም እሞ፥ ገፀይ ክሓብአሎም እየ፤ መወዳእታኦም እንታይ ምዃኑ ኽርኢ እየ።’
ስለዙይ ናባኻትኩም ክንመፅእ ደሊና ኔርና፤ ኣነ ጳውሎስ እኳ ሓደ ጊዜ፥ ክልተ ጊዜ ኽመፅእ ፈቲነ ነይረ፤ ግና ሰይጣን ኣዐንቀፈኒ።
ግና እቲ ወንጌል ብምልኣት ብኣይ ምእንቲ ኽስበኽ፥ ኵሎም ኣህዛብውን ምእንቲ ኽሰምዕዎ፥ ጐይታ ምሳይ ኮይኑ ኣበርትዐኒ፤ ካብ ኣፍ ኣንበሳውን ኣናገፈኒ።