4 “ኣነ እግዚኣብሄር እየ” ኢሉ ብምእዋጅ፥ ኣብ ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄር ዝቕመጥ፥ ኣምላኽ ካብ ዝተብሃለ ዅሉ፥ ሰባት ካብ ዘምልኽዎ ዅሉ፥ ንባዕሉ ልዕል ልዕል ዘብል ተቓዋሚ፥ ንሱ እዩ።
ግብፃውያን ሰባት እዮም፥ ኣማልኽቲ ኣይኮኑን። ኣፍራሶም ከዓ ስጋ እምበር፥ መንፈስ ኣይኮኑን። እግዚኣብሄር ኢዱ እንትዝርግሕ እቲ ረዳኢ ይሰናኸል፤ እቲ ተረዳኢውን ይወድቕ፤ ኵላቶም ድማ ሓቢሮም ይጠፍኡ።
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንመስፍን ጢሮስ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮ፤ ልብኻ ተዓብዩስ ኣነ ኣምላኽ እየ፤ ኣብ ማእኸል ባሕሪ ድማ፥ ኣብ ዙፋን ኣምላኽ ተቐሚጠ ኣለኹ ትብል ኣለኻ እሞ፥ ንልብኻ እኳ ኸም ልቢ ኣምላኽ እንተ ገበርካዮ፥ ንስኻ ሰብ ኢኻ እምበር ኣምላኽ ኣይኮንካን።
ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ንልብኻ ኸም ልቢ ኣምላኽ ስለ ዝገበርካ፥
ኣብ ቅድሚ እቲ ቐታሊኻ ደኾን፥ ኣነ ኣምላኽ እየ፥ ክትብል ኢኻ? ንስኻስ ኣብ ኢድ እቲ ቐታሊኻ፥ ሰብ ኢኻ እምበር ኣምላኽ ኣይኮንካን።
“እቲ ውሱን ጊዜ ኽሳዕ ዝመፅእ፥ እግዚኣብሄር ከዓ ኽሳዕ ዝቐፅዖ፥ እቲ ንጉስ ከም ዝደለዮ ኽገብር እዩ። ርእሱ ኸልዕል፥ ኣብ ልዕሊ ኣማልኽቲ ኽዕበ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣምላኽ ኣማልኽቲ ዝኾነ እግዚኣብሄር ድማ፥ ክፉእ ቃል ትዕቢት ክዛረብ እዩ። ዘመን ቍጥዓ ኽሳዕ ዝፍፀም ክሰልጠሉ እዩ፤ እቲ ውሱን ነገርውን ክፍፀም እዩ።
ንሱ ኣብ መንጎ ባሕርን ኣብ መንጎ እቲ ዝኸበረ ቅዱስ እምባን፥ ድንኳን ቤተ መንግስቱ ኽተክል እዩ። ግና ናብ ፍፃሜኡ ኽበፅሕ እዩ፤ ዝሕግዞውን የብሉን።”
ኣብ ልዕሊ እቲ ልዑል እግዚኣብሄር፥ ቃል ትዕቢት ክዛረብ እዩ፤ ንቅዱሳን እቲ ልዑልውን ከጨንቖም እዩ፤ ዘመናትን ሕግጋትን ክልውጥ ድማ ኽህቅን እዩ፤ ንሳቶምውን ንዘመንን፥ ዘመናትን ፍርቂ ዘመንን ኣብ ኢዱ ኽወሃቡ እዮም።
ኣነ ነቶም ኣቕርንቲ ኽጥምት እንተለኹ፥ ኣብ ማእኸሎም ንእሽተይ ካልእ ቀርኒ ወፀ፤ ሰለስተ ኻብቶም ቀዳሞት ኣቕርንቲ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ተነቓቐሉ። ነዝ ቐርኒ እዙይ፥ ዓይኒ ሰብ ዝመስል ዓይኒ ነበሮ። ብትዕቢት ዝዛረብ ኣፍ ድማ ነበሮ።
እናዞርኩ እቲ እተምልኽዎ ጣዖትኩም ክርኢ እንተለኹ፥ ‘ንዘይተፈልጠ ኣምላኽ’ ዝብል ዝተፅሓፎ መሰውኢ ረኸብኩ፤ እምበኣርከስ ብዛዕባ እዝ እንተይፈለጥኩም እተምልኽዎ ኣምላኽ፥ ንእኡ ኣፍልጠኩም ኣለኹ።
ብዙሓት ኣማልኽትን፥ ብዙሓት ጐይቶትን፥ ተብሂሎም ዝፅውዑ፥ ኣብ ሰማይ ኮነ ኣብ ምድሪ ኣለዉ እንተ ተብሃለኳ፥