13 ኣቱም ጐይታ ዘፍቅረኩም ኣሕዋትና፥ ብመንፈስ ቅዱስ ተቐዲስኩምን፥ ነቲ ሓቂ ኣሚንኩምን፥ ምእንቲ ኽትድሕኑ፥ ካብ መጀመርታ ስለ ዝሓረየኩም፥ ንሕና ብዛዕባኻትኩም ንእግዚኣብሄር ኵልሻዕ ክነመስግኖ፥ ግቡእና እዩ።
እግዚኣብሄር ብመጀመርታ ሰማይን ምድርን ፈጠረ።
ብነቢይ ናታን ልኢኹ ምእንቲ እግዚኣብሄር፥ ይዲድያ ኢሉ ሰመዮ።
ካብ ዘለኣለም ካብ መጀመርታ፥ ምድሪ እንተይተፈጥረት ነበርኩ።
ካብ መጀመርታ ነቲ መወዳእታ ክኸውን ዘለዎ፥ ካብ ጥንቲ ገና ኸይኮነ እንተሎ፥ ዝነገርኩ ኣነ እየ፤ ‘ምኽረይ ክቐውም እዩ፤ ኵሉ ፍቓደይውን ክፍፅም እየ’ ዝብል ኣነ እየ።
እግዚኣብሄር ካብ ርሑቕ ተገለፀለይ፤ ከምዙይውን በለኒ፤ ብዘለኣለማዊ ፍቕሪ ፈትየኪ ኣለኹ፤ ስለዙይ ድማ ብርህራሀ ሰሓብኩኺ።
“ብኣኺ ሓሊፈ ረአኹኺ፤ እንሆ ኸዓ ጊዜኺ፥ እቲ ጊዜ ፍትወት ነበረ። ዘፈር ክዳነይ ኣብ ልዕሌኺ ዘርጊሐ፥ ዕርቃንኪ ኸወልኩ፤ መሓልኩልኪ፤ ኪዳን ኣተኹልኪ፤ ናተይውን ኮንኪ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
ንሱውን “ኣታ ዝተፈተኻ ዳንኤል፥ ኣነ ሕዚ ናባኻ ተልኢኸ ኣለኹ፤ ቀጥ ኢልካ ደው በል እሞ፥ ነዝ ዝነግረካ ቓል ኣስተውዕሎ” በለኒ። እዝ ቓል እዙይ ምስ ተዛረበኒ፥ እናንቀጥቀጥኩ ደው በልኩ።
ንሱ ኸዓ “ኣታ የመና ዝተፈተኻ ሰብ፥ ኣይትፍራሕ፤ ሰላም ንኣኻ ይኹን፤ በርትዕ፤ ፅናዕ” በለኒ። እናተዛረበኒ እንተሎ፥ በርታዕኹ እሞ፥ “ኦ ጐይታ፥ ኣበርቲዕኻኒ ኢኻ እሞ፥ ተዛረብ” በልኩዎ።
ንስኻ የመና ዝተፈተኻ ስለ ዝኾንካ፥ ገና ፀሎት እንትትጅምር፥ ትእዛዝ ተውሂቡ እዩ፤ ኣነውን ክነግረካ መፂአ ኣለኹ። ስለዙይ ነዝ ነገር ኣቕልበሉ፤ ነዝ ራእይ እዙይውን ኣስተውዕሎ።
ብዅሉ ዘመን ህይወትናውን፥ ኣብ ቅድሚኡ ብቕድስናን ብፅድቅን፥ ምእንቲ ኽነገልግሎ እዩ።
ብመጀመርታ ቓል ነበረ፤ እቲ ቓል ድማ ኣብ እግዚኣብሄር ነበረ፤ እቲ ቓልውን እግዚኣብሄር ነበረ።
ኢየሱስ ድማ፦ “ኣነ መንገድን ሓቅን ህይወትን እየ፤ ብዘይ ብኣይ፥ ሓደኳ ናብ ኣብ ዝመፅእ የለን።
ኣህዛብ ከዓ ነዙይ ሰሚዖም ተሓጐሱ፤ ንቓል እግዚኣብሄር ድማ ኣኽበሩ፤ እቶም ንህይወት ዘለኣለም ዝተዓደሉ ዅላቶምውን ኣመኑ።
ልቦም ብእምነት ስለ ዘንፅሀ፥ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎኣቶምን፥ ሓንቲ እኳ ኣይፈላለየን።
ቀደም ባሮት ሓጢኣት እኳ እንተ ነበርኩም፥ ነቲ ብሕድሪ ዝተውሃበኩም ትምህርቲ ኻብ ልቢ ስለ ዝተኣዘዝኩምዎ፥ ካብ ሓጢኣት ሓራ ወፂእኹም፥ ንፅድቂ ስለ ዝተገዛእኹም፥ እግዚኣብሄር ዝተመስገነ ይኹን።
እቲ ዘፅድቕ እግዚኣብሄር እዩ፤ ነቶም ናይ እግዚኣብሄር ሕሩያት ዝኸሶም ደኣ መን እዩ?
ካብ ሕርየት እምበር፥ ካብ ግብሪ ኸም ዘይኮነ፥ እቲ ፈቓድ እግዚኣብሄር ከዓ፥ ኣብ ምሕራይ ከም ዝተመስረተ ምእንቲ ኽገሃድ፥ እቶም ህፃናት ገና እንተይተወለዱ፥ ፅቡቕ ኮነ ኽፉእ እንተይገበሩ፥
ብምኽንያት ጥበብ እግዚኣብሄር፥ ዓለም ብጥበባ ንእግዚኣብሄር ስለ ዘይፈለጠቶ፥ ነቶም ብዕሽነት ስብከት ዝኣምኑ፥ እግዚኣብሄር ከድሕኖም ሰናይ ፈቓዱ ኾይኑ እዩሞ።
ኣቱም ዘይተስተውዕሉ ሰብ ገላትያ፥ ንሓቂ ኸይትእዘዙ መን እዩ ዝዓዘመኩም? ኢየሱስ ስቑል ኮይኑ፥ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኹምዶ ተስኢሉ ኣይነበረን?
ንክርስቶስ ብምእማን፥ ብፀጋ ኢኹም ዝደሓንኩም። እዙይ ከዓ ውህብቶ እግዚኣብሄር እዩ እምበር፥ ካባኻትኩም ኣይኮነን።
ብዛዕባ ብንያም ከምዙይ በለ፦ “ብእግዚኣብሄር ዝተፈተወ፥ ብእኡውን ተኣማሚኑ ይነብር፤ ምሉእ መዓልቲ የፅልለሉ፤ ኣብ መንጎ ማእገሩ ድማ ይሓድር።”
እቲ ቓል ሓቂ ዝኾነ ወንጌል፥ ቅድሚ ሕዚ ናባኻትኩም ምስ መፀ፥ ብዛዕባ እቲ ንሱ ዝህቦ ተስፋ ሰሚዕኹም ኔርኩም። ስለዙይ እምነትኩምን ፍቕርኹምን፥ ኣብቲ ኣብ ሰማይ ተዓቝሩልኩም ዘሎ ተስፋ ዝተመስረተ እዩ።
እምበኣር እግዚኣብሄር ዝሓረዮም ቅዱሳንን ፍቑራትን ህዝቢ ኸም ምዃንኩም፥ ምሕረት፥ ለውሃት፥ ትሕትና፥ ሕያዋይነት፥ ትዕግስቲ፥ ልበሱ።
ኣቱም ብእግዚኣብሄር ፍቑራት ኣሕዋትና፥ እግዚኣብሄር ከም ዝሓረየኩም ንፈልጥ ኢና።
እግዚኣብሄር ንቕድስና እምበር፥ ንርኽሰት ኣይፀውዐናን።
እግዚኣብሄር፥ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ድሕነት ክንረክብ እምበር፥ ንቝጥዓ ኣይፀውዐናን እሞ።
ኣሕዋትና፥ እምነትኩም በሊፃ እናዓበየት ትኸይድ ስለ ዘላ፥ እታ ኣብ ንስንሳትኩም ዘላ፥ ናይ ነፍሲ ወከፍኩም ፍቕሪውን እናበዝሐት ትኸይድ ስለ ዘላ፥ ብኣኻትኩም ኵሉ ጊዜ ንእግዚኣብሄር ነመስግኖ ኢና፤ እዙይ ከዓ ግቡእና እዩ።
ከምኡውን ነቶም ዝጠፍኡ ዘስሕተሉ፥ ኵሉ ተንኰልን ክፍኣትን ኣለዎ። እቶም ዝጠፍኡ ኸዓ፥ ነቲ ኸድሕኖም ዝኽእል ሓቂ፥ ፈትዮም ስለ ዘይተቐበሉ እዩ።
እዙይ ከዓ ዅሎም እቶም ንሓቂ ዘይኣምኑ፥ ብኽፉእ ግና ዝሕጐሱ ዅሎም፥ ምእንቲ ኽፍረዱ እዩ።
ባዕሉ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ እቲ ዘፍቀረና፥ ብፀጋኡ ኸዓ፥ ዘለኣለማዊ ምፅንናዕን፥ ሰናይ ተስፋውን ዝሃበና እግዚኣብሄር ኣቦና፥
ንሱ ብግብርና ዘይኮነስ፥ ብፍቓዱን፥ በቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ቅድሚ ዘመናት ዝተውሃበና ፀጋን፥ ኣድሓነና፤ ብቕዱስ ፅውዓውን ፀውዐና።
ንቓል ሓቂ ብቕንዕና ዝነግር፥ ዘሕፍር ዘይብሉ፥ ዝተመስከረሉ ሰራሕተኛ ጌርካ፥ ንባዕልኻ ንእግዚኣብሄር ክተወፊ ትጋህ።
ካብ ህፃንነትካ ጀሚርካ፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ ብምእማን፥ ምድሓን ዝርከበሉ ትምህርቲ ኽህባኻ ዝኽእላ፥ ቅዱሳት መፃሕፍቲ ትፈልጥ ኢኻ።
ከምኡ ድማ፦ “ኦ ጐይታይ፥ ንስኻ፥ ካብ መጀመርታ ንምድሪ መስረትካያ፤ ሰማያትውን ግብሪ ኣእዳውካ እዮም።
ናይ ኵሉ ፍጥረቱ በዅሪ ምእንቲ ኽንከውን ኢሉ፥ ከም ፍቓዱ፥ ብቓል ሓቂ ወለደና።
ፍቕሪ እዙይ እዩ፤ ንሕና ንእግዚኣብሄር ስለ ዘፍቀርናዮ ዘይኮነስ፥ እግዚኣብሄር ባዕሉ ስለ ዘፍቀረና፥ ንሓጢኣትና ቤዛ ክኸውን ንወዱ ምስዳዱ እዩ።
እግዚኣብሄር ኣቐዲሙ ስለ ዘፍቀረና፥ ንሕናውን ነፍቅሮ ኢና።