12 እዙይ ከዓ ዅሎም እቶም ንሓቂ ዘይኣምኑ፥ ብኽፉእ ግና ዝሕጐሱ ዅሎም፥ ምእንቲ ኽፍረዱ እዩ።
እግዚኣብሄር ንፃድቕን ንሓጥእን ይምርምር፤ ንዓመፅ ዝፈትዋ ግና ንነፍሱ ፀልኣ።
“ንንጉስ ብኽፍኣቶም፥ ንመሳፍንቱውን ብሓሰቶም የሐጕስዎም ኣለዉ።
ንስኻትኩም ግና ሰናይ እትፀልኡን፥ ክፉእ ከዓ እትፈትዉን ሰባት ኢኹም። ንህዝበይ ቈርበቶም ቀሊጥኩም፥ ንስጋኦም ካብ ኣዕፅምቶም ፈላለኹምዎ።
ንሳቶም ድማ ነዙይ ሰሚዖም ተሓጐሱ፤ ገንዘብ ክህብዎውን ተሰማምዑ፤ ንሱ ድማ ኣሕሊፉ ኽህቦም፥ ምችዊ ጊዜ ይደሊ ነበረ።
እቲ ዝኣመነን ዝተጠመቐን፥ ክድሕን እዩ፤ እቲ ዘይኣመነ ግና፥ ክዅነን እዩ።
እቲ ብወልድ ዝኣምን፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣለዎ፤ እቲ ብወልድ ዘይኣምን ግና፥ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ደኣ ኣብ ልዕሊኡ ይነብር እምበር፥ ንናይ ዘለኣለም ህይወት ኣይሪኣን እዩ።”
እዚኣቶም “እቶም ከምኡ ዝገብሩ ሞት ይግብኦም እዩ” ዝብል፥ ቅኑዕ ፍርዲ እግዚኣብሄር እናፈለጡ፥ ነዝ ዅሉ ይፍፅሙ ኣለዉ፤ እዙይ ከይኣኽሎም ከዓ፥ ነቶም ከምኡ ዝገብሩውን የተባብዑ ኣለዉ።
ግብዝና ዘይብሉ ፍቕሪ ይሃልኹም። ንኽፍኣት ተፀየፍዎ፤ ንሰናይ ኣፅኒዕኹም ሓዝዎ።
ነቶም ንዓመፃ እምበር፥ ንሓቂ ዘይእዘዙ ፈተውቲ ርእሶም ግና፥ ቍጥዓን መዓትን ክወርዶም እዩ።
ፍቕሪ ብሓቂ ይሕጐስ እምበር፥ ብዓመፅ ባህ ኣይብሎን።
ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ እሞ ኽፈድዮም እየ፤ እግሮም ዝሰናኸለሉ እዋን ክመፅእ እዩ፤ መዓልቲ ዕንወቶም ቀረባ እዩ፤ ጥፍኣቶም ከዓ ቐልጢፉ ይመፅእ ኣሎ።
እግዚኣብሄር፥ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ድሕነት ክንረክብ እምበር፥ ንቝጥዓ ኣይፀውዐናን እሞ።
ከምኡውን ነቶም ዝጠፍኡ ዘስሕተሉ፥ ኵሉ ተንኰልን ክፍኣትን ኣለዎ። እቶም ዝጠፍኡ ኸዓ፥ ነቲ ኸድሕኖም ዝኽእል ሓቂ፥ ፈትዮም ስለ ዘይተቐበሉ እዩ።
ንሳቶም ስሱዓት ስለ ዝኾኑ፥ ብዘረባ እናጠበሩ መናገዲ ኽገብሩኹም እዮም። ካብ ቀደም ፍርዶም ተዳልዩ እዩ፤ ጥፍኣትውን ብርግፅ ይፅበዮም ኣሎ።
ኣታ ፍቑረይ፥ ነቲ ሰናይ ደኣ እምበር፥ ነቲ ኽፉእስ ኣይትስዓቦ። እቲ ሰናይ ዝገብር ካብ እግዚኣብሄር እዩ፤ እቲ ኽፉእ ዝገብር ግና፥ ንእግዚኣብሄር ኣይረአዮን።