1 ሕዚ ኸዓ፥ ኣቱም ኣሕዋትና፥ ብዛዕባ ምፅኣት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ብዛዕባ እቲ ናብኡ ምእካብናን፥ እንነግረኩም እዙይ እዩ፦
እቲ ኽገዝእ ዝግብኦ ክሳዕ ዝመፅእ፥ ኣህዛብውን ክሳዕ ዝግዝእዎ፥ በትሪ መንግስቲ ኻብ ይሁዳ፥ ዘንጊ ገዛኢ ኸዓ ኻብ ማእኸል ኣእጋሩ፥ ኣይሰኣንን እዩ።
ወዲ ሰብ ብኽብሪ ኣቦኡ፥ ምስ መላእኽቱ ኽመፅእ እዩ፤ ሽዑ ንዅሉ ኸከም ግብሩ ኽፈድዮ እዩ።
ኻብዞም ኣብዙይ ደው ኢሎም ዘለዉ፥ ንወዲ ሰብ ብመንግስቱ ኽመፅእ እንተሎ ኽሳዕ ዝሪእዎ፥ ዘይሞቱ ኸም ዘለዉ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” በሎም።
ንሱ ንመላእኽቱ፥ ብብርቱዕ ድምፂ መለኸት ክልእኾም እዩ፤ ንሳቶም ድማ ንሕሩያቱ፥ ካብ ሓደ ወሰን ሰማይ፥ ክሳዕ እቲ ሓደ ወሰን ሰማይ፥ ካብ ኣርባዕተ መዓዝን ክእክብዎም እዮም።”
ኵሎም ኣህዛብ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ኽእከቡ እዮም፤ ጓሳ ነባጊዕ ካብ ኣጣል ከም ዝፈሊ፥ ከምኡ ኸዓ ንሱ በብወገኖም ክፈልዮም እዩ።
ሽዑ ንመላእኽቱ ኽልእኾም እዩ፤ ንሳቶም ድማ ነቶም ሕሩያቱ፥ ካብ ኣርባዕተ መኣዝን ዓለም፥ ካብ ወሰን ምድሪ ኽሳዕ ወሰን ሰማይ ክእክብዎም እዮም።”
እምበኣር ኣሕዋተይ፥ ሰብነትኩም ህያውን ቅዱስን ንእግዚኣብሄር ዘሐጕስን፥ መስዋእቲ ጌርኩም ክተቕርብዎ፥ ብምሕረት እግዚኣብሄር እልምነኩም ኣለኹ፤ እዙይ ድማ እቲ ግቡእ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ።
እዙይ ከዓ፥ እቲ ምልኣት ዘመናት ምስ በፅሐ፥ ኵሉ ኣብ ሰማይ ኮነ ኣብ ምድሪ ዘሎ፥ ኣብ ትሕቲ ስልጣን ክርስቶስ፥ ምእንቲ ኽጥቕለል እዩ።
ተስፋና ወይ ሓጐስና ወይ ከዓ ኣብ ካልኣይ ምፅኣቱ፥ ኣብ ቅድሚ ጐይታና ኢየሱስ እንምክሐሉ፥ ኣኽሊልና መን ድዩ? ንስኻትኩምዶ ኣይኮንኩምን?
በታ ጐይታ ምስ ኵሎም ቅዱሳን ዝመፀላ መዓልቲ ኸዓ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቦና፥ ነቐፋ ዘይብሎም ቅዱሳን ምእንቲ ኽትኮኑ፥ ልብኹም የበርትዕ።
ብዝተረፈ ኣሕዋተይ፥ ንእግዚኣብሄር ምእንቲ ኽተሐጕስዎ፥ ከመይ ጌርኩም ክትነብሩ ኸም ዝግብአኩም፥ ካባና ተምሂርኩም ኢኹም። ድሮ እኳ ትነብርዎ ኣለኹም። ሕዚ ኸዓ ነዙይ ብዝበለፀ ኽትነብርዎ፥ ብጐይታና ኢየሱስ ንልምነኩምን ነተባብዐኩምን ኣለና።
ኣሕዋትና፥ እምነትኩም በሊፃ እናዓበየት ትኸይድ ስለ ዘላ፥ እታ ኣብ ንስንሳትኩም ዘላ፥ ናይ ነፍሲ ወከፍኩም ፍቕሪውን እናበዝሐት ትኸይድ ስለ ዘላ፥ ብኣኻትኩም ኵሉ ጊዜ ንእግዚኣብሄር ነመስግኖ ኢና፤ እዙይ ከዓ ግቡእና እዩ።
ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ህያዋንን ኣብ ሙታንን ክፈርድ ዝመፅእ ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ብመንግስቱን ብምፅኣቱን፥ ኣማሕፅነካ ኣለኹ።