6 እግዚኣብሄር ቅኑዕ ፈራዲ ስለ ዝኾነ፥ ኣብ ልዕሊ እቶም መከራ ዘምፅኡልኩም፥ መከራ ኽፈድዮም እዩ።
ድምፁ እንተ ሰሚዕኻ፥ ኣነ ዝብለካ ዅሉ ድማ እንተ ገበርካ፥ ኣነ ንፀላእትኻ ኽፀልኦም፥ ንዝፃረሩኻ ድማ ኽፃረሮም እየ።
ኣነ ብልበይ “ኵሉ ነገርን ኵሉ ተግባርን ገጊዜኡ ኣለዎ እሞ፥ እግዚኣብሄር ነቲ ፃድቕን ነቲ ኽፉእን ክፈርዶም እዩ” በልኩ።
እቶም ዘጨንቑኺ፥ ናይ ባዕልቶም ስጋ ኸም ዝበልዑ ኽገብሮም እየ፤ ወይኒ ሰቲኻ ኸም ዝስከር፥ ናይ ባዕልቶም ደም ሰትዮም ክሰኽሩ ኽገብሮም እየ። ኵሉ ሰብ ድማ፥ ኣነ እግዚኣብሄር መድሓኒኽን ተቤዛዊኽን፥ እቲ ሓያል ናይ ያእቆብ ኣምላኽ ምዃነይ ክፈልጥ እዩ።”
“ንወርወርቲ ቐስቲ፥ ንዅላቶም ቀስቲ ዝግትሩ፥ ንባቢሎን ክወግእዋ ኣኽትትዎም። ሓደ እኳ ኸየምልጥ ኣብ ከባቢኣ ስፈሩ፤ ከም ግብራውን ፍደይዋ። ንእግዚኣብሄር፥ ናይ እስራኤል ቅዱስ፥ ተዓብያ እያ እሞ፥ ከምቲ ዅሉ ዝገበረቶ ፍደይዋ። ከምቲ ኣብ ልዕሊ ኻልኦት ዝገበረቶውን ፍደይዋ።
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ድሕሪ ኽብሩ ናብቶም ዝዘመትኹም ኣህዛብ ልኢኹኒ እዩ፤ ዝነኽአኩም ብሌን ዓይኑ ዝነክእ እዩሞ።”
እቲ ኽፉእ ዝገበረ፥ ክንዲ እቲ ኽፉእ ግብሩ ኽፍደ እዩ፤ ኣብ እግዚኣብሄር ኣድልዎ የለንሞ።
እግዚኣብሄር ቅኑዕ ፈራዲ ስለ ዝኾነ፥ ነቲ ምእንቲ ፍቕሩ ኢልኩም፥ ብስሙ ነቶም ቅዱሳን ዘገልገልኩምዎምን፥ እተገልግልዎም ዘለኹምን፥ ስራሕኹም ዝርስዕ ኣይኮነን።
ኣህዛብ ተቘጥዑ፥ ቍጥዓኻውን መፀ፤ እቲ ንምዉታት እትፈርደሉ፥ ነቶም ባሮትካ ዝኾኑ ነቢያትን፥ ነቶም ንስምካ ዘኽብሩ ቕዱሳንን፥ ኣናእሽተይ ኮኑ ዓበይቲ፥ ዓስቦም እትህበሉ፥ ነቶም መጥፋእቲ ምድሪ እውን፥ እተጥፍአሉ ዘመን በፂሑ እዩ” በሉ።
ንስኻ በይንኻ ኢኻ ቕዱስ እሞ፥ ኦ፥ እግዚኣብሄር፥ ዘይፈርሐካን፥ ንስምካ ዘየኽብርን፥ መን ኣሎ? እቲ ቕኑዕ ፍርድኻ፥ ተግሂዱ እዩ እሞ፥ ኵሎም ኣህዛብ ክመፁ፥ ኣብ ቅድሜኻውን ክሰግዱ እዮም።”
“ኦ፥ ሰማይ ብኣኣ ተሓጐስ፤ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኣ ፈሪዱ፥ ሕነ ስለ ዝፈደየልኩም፥ ኣቱም ቅዱሳን ሃዋርያትን ነቢያትንውን ተሓጐሱ”
ደም ነቢያትን ቅዱሳንን፥ ደም ናይቶም ኣብ ምድሪ ዝተሓርዱ ዅሎም፥ ኣብኣ ተረኺቡ እዩ እሞ።
ፍርዱ ሓቅን ፅድቅን እዩ እሞ፥ ንሱ፥ ነታ ብምንዝርናኣ ንምድሪ ዘጥፍአት ዓባይ ኣመንዝራ፥ ፈረዳ፤ ንደም ኣገልገልቱውን፥ ካብ ኢዳ ተፈደዮ” እንትብል ሰማዕኹ።
ዓው ብዝበለ ድምፂ ኸዓ፦ “ኦ ቕዱስን ሓቀኛን ዝኾንካ ጐይታ፥ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ዘይትፈርድ? ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉኸ፥ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ፥ ሕነ ደምና ዘይትፈድዮም? እናበሉ ጠርዑ”