Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




2ይ ተሰሎንቄ 1:5 - መፅሓፍ ቅዱስ

5 መከራ እትቕበሉ ዘለኹም፥ ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ብቑዓት ኴንኩም ምእንቲ ኽትርከቡ፥ ናይ እግዚኣብሄር ፍርዲ፥ ቅኑዕ ምዃኑ ዘመልክት እዩ።

Ver Capítulo Copiar




2ይ ተሰሎንቄ 1:5
28 Referencias Cruzadas  

እግዚኣብሄርዶ ፍትሒ የቐይንን እዩ? እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽከ፥ ንፅድቂዶ ይጠውዮ እዩ?


ኵሉ ተግባር ኢዱ ሓቅን ፍርድን እዩ፤ ኵሉ ትእዛዛቱውን እሙን እዩ፤


ፅድቅን ፍትሕን ይፈቱ፤ ሕያዋይነት እግዚኣብሄርውን ንምድሪ መልኦ።


ሰማያት ፅድቁ ክናገሩ እዮም፤ እግዚኣብሄር ፈራዳይ እዩሞ።


ንሱ ንህዝብኻ ብፅድቂ፥ ንነዳያንካውን ብፍትሒ ኽፈርድ እዩ።


ክቡር ንጉስ ፍትሒ ይፈቱ፤ ንስኻ ንቕንዕና ኣፅናዕኻያ፤ ንስኻ ፍትሕን ፅድቅን ንያእቆብ ገበርካ።


ዝምካሕስ፥ ኣነ ኣብ ምድሪ ምሕረትን ፍርድን ፅድቅን ዝገብር እግዚኣብሄር ምዃነይ፥ ብምስትውዓሉን ብምፍላጡን ደኣ ይመካሕ፤ ንኣይ ደስ ዘብሉ እዚኣቶም እዮምሞ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”


“ሕዚ ድማ ኣነ ናቡከደነፆር፥ ነቲ ንጉስ ሰማይ አመስግኖን ልዕል አብሎን አኽብሮን ኣለኹ። ተግባሩ ዅሉ ሓቂ፥ መንገድታቱ ኸዓ ቅኑዕ እዩ እሞ፥ ነቶም ተዓብዮም ዝኸዱ ኸዋርዶም ይኽእል እዩ።”


እቶም ነታ ዓለም እቲኣን፥ ንትንሳኤ ሙታን ንምውራስን ዝበቕዑ ግና፥ ኣየውስቡን ኣይዋሰቡን እዮም።


እምበኣርከስ ካብቲ ዅሉ ክኸውን ዘለዎ ነገራት ምእንቲ ኽተምልጡን፥ ኣብ ቅድሚ ወዲ ሰብውን፥ ደው ምባል ምእንቲ ኽትክእሉን፥ ኵልሻዕ ተጊህኹም ፀልዩ።”


ጳውሎስን በርናባስን ከዓ ተቢዖም፥ ከምዙይ እናበሉ ተዛረቡ፦ “ቃል እግዚኣብሄር፥ ኣቐዲሙ ንኣኻትኩም ክንገር ይግባእ ነይሩ። ካብ ኣበኹምዎን፥ ንናይ ዘለኣለም ህይወት ብቑዓት ከም ዘይኮንኩም፥ ባዕልኻትኩም ካብ ፈረድኩምን ግና፥ እንሆ ገፅና ናብ ኣህዛብ ንምልስ ኣለና።


“ናብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ክንኣቱ ዝግብአና፥ ብብዙሕ መከራ እዩ” እናበሉ ነቶም ደቀ መዛሙርት ኣፀናንዕዎም፤ ኣብ እምነቶም ፀኒዖም ክነብሩውን ኣተባብዕዎም።


ግና ብትረት ልብኻን ብዘይምንሳህኻን፥ በታ ቕኑዕ ፍርዲ እግዚኣብሄር ዝወርደላ መዓልቲ ቝጥዓ፥ ንባዕልኻ መቕሰፍቲ ትእክብ ኣለኻ።


እምበኣር ውሉድ እግዚኣብሄር ካብ ኮንና፥ ወረስቲ እግዚኣብሄር ኢና፤ ንእግዚኣብሄር ወረስቱ ኻብ ኮንና ኸዓ፥ ንክርስቶስ መዋርስቱ ኢና። ምስኡ መከራ እንተ ተቐቢልና፥ ምስኡውን ክንከብር ኢና።


እምበኣር ኣነ ምእንቲ ክርስቶስ እሱር ዝኾንኩ፥ ነቲ ዝተፀዋዕኹምሉ መፀዋዕታ፥ ብቑዓት ኴንኩም ክትመላለሱ እልምነኩም ኣለኹ።


በቶም ዝቃወሙኹም ኣይትደንግፁ፤ እዙይ እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝኾነ፥ ንኣኣቶም ናይ ጥፍኣት፥ ንኣኻትኩም ግና ናይ ድሕነት፥ ርኡይ ምልክት እዩ እሞ።


በቲ ግደ ርስቲ ቕዱሳን፥ ብብርሃን ክንሳተፍ ዘብቅዐና ንእግዚኣብሄር ኣብ፥ ክተመስግኑ ንፅሊ ኣለና።


ኣሕዋተይ፥ ንስኻትኩም ነተን ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዝነብራ፥ ኣብ ይሁዳ ዘለዋ ኣብያተ ክርስቲያን እግዚኣብሄር፥ መሲልኩምወን ኢኹም። ከምቲ ንሳተን ብኣይሁድ መከራ ዝተቐበላ፥ ንስኻትኩምውን ከምኡ ብደቂ ዓድኹም፥ መከራ ተቐቢልኩም ኢኹም እሞ።


ነዙይ ብምሕሳብ፥ ኣምላኽና ንፃውዒቱ ብቑዓት ምእንቲ ኽገብረኩም፥ ብሓይሉ ኸዓ፥ ነቲ ሰናይ ንምግባር ዘለኩም ድልየትን፥ ኵሉ ናይ እምነትኩም ተግባርን፥ ምእንቲ ኽፍፅመልኩም፥ ኵልሻዕ ምእንታኻትኩም ንፅሊ ኣለና።


እንተ ተዓገስና፥ ምስኡ ኸዓ ኽንነግስ ኢና። እንተ ኸሓድናዮ፥ ንሱውን ክኽሕደና እዩ።


ንስኻ በይንኻ ኢኻ ቕዱስ እሞ፥ ኦ፥ እግዚኣብሄር፥ ዘይፈርሐካን፥ ንስምካ ዘየኽብርን፥ መን ኣሎ? እቲ ቕኑዕ ፍርድኻ፥ ተግሂዱ እዩ እሞ፥ ኵሎም ኣህዛብ ክመፁ፥ ኣብ ቅድሜኻውን ክሰግዱ እዮም።”


ካብቲ መሰውኢ ድማ፦ “እወ፥ ኦ፥ ኵሉ እትኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ እቲ ፍርድኻ፥ ሓቅን ቅኑዕን እዩ” ዝብል ድምፂ ሰማዕኹ።


ፍርዱ ሓቅን ፅድቅን እዩ እሞ፥ ንሱ፥ ነታ ብምንዝርናኣ ንምድሪ ዘጥፍአት ዓባይ ኣመንዝራ፥ ፈረዳ፤ ንደም ኣገልገልቱውን፥ ካብ ኢዳ ተፈደዮ” እንትብል ሰማዕኹ።


ኣብ ሰርዴስ ግና፥ ክዳውንቶም ዘየርስሑ፥ ውሑዳት ሰባት ኣለዉ። ንሳቶም ዝተገብኦም እዮም እሞ፥ ፃዕዳ ኽዳውንቲ ተኸዲኖም፥ ምሳይ ክኸዱ እዮም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos