3 ኣሕዋትና፥ እምነትኩም በሊፃ እናዓበየት ትኸይድ ስለ ዘላ፥ እታ ኣብ ንስንሳትኩም ዘላ፥ ናይ ነፍሲ ወከፍኩም ፍቕሪውን እናበዝሐት ትኸይድ ስለ ዘላ፥ ብኣኻትኩም ኵሉ ጊዜ ንእግዚኣብሄር ነመስግኖ ኢና፤ እዙይ ከዓ ግቡእና እዩ።
እቲ ፃድቕ ኣብ መንገዱ ኽፀንዕ፥ እቲ ኣእዳዉ ንፁህ ዝኾነ ድማ፥ ሓይሊ እናወሰኸ ክኸይድ እዩ።
ካብ ሓይሊ ናብ ሓይሊውን ይኸዱ፤ ኣምላኽ ኣማልኽቲ ኣብ ፅዮን ይረአ።
ኣብ ውሽጢ ቤት እግዚኣብሄር ተተኺሎም እዮም፤ ኣብ ውሽጢ ዓፀድ ኣምላኽናውን ይበቝሉ።
መንገዲ ፃድቃን ግና ኸም ብርሃን ወጋሕታ እያ፤ ምሉእ መዓልቲ ኽሳዕ ዝኸውን ከዓ፥ እናወሰኸት ትበርህ።
እዝ ሓውካ ግና ሞይቱ ነይሩ፥ ሓውዩ፤ ጠፊኡ ነይሩውን፥ ተረኺቡ እዩ እሞ፥ ክንሕጐስን ደስ ኽብለናን ይግብአና እዩ’ በሎ።”
ሃዋርያት ድማ ንጐይታ “እምነት ወስኸና” በልዎ።
ነቲ ዅሉ ኣባይ ዘሎ፥ ፍረ ዘይፈሪ ጨንፈር የወግዶ፤ ነቲ ፍረ ዝፈሪ ጨንፈር ግና፥ ብዙሕ ምእንቲ ኽፈሪ የፅርዮ።
ብክርስቶስ ምእማንኩም፥ ኣብ ኵላ ዓለም ስለ ዝተሰምዐት፥ ቅድሚ ዅሉ ብዛዕባ ዅልኻትኩም፥ ንእግዚኣብሄር ብኢየሱስ ክርስቶስ አመስግኖ ኣለኹ።
ስለ እቲ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝተውሃበኩም ፀጋ እግዚኣብሄር፥ ብዛዕባኹም ዅሉ ጊዜ፥ ንኣምላኸይ ኣመስግን ኣለኹ።
ንሕናስ ካብ ዝተወሰነልና ሓሊፍና፥ በቲ ኻልኦት ዝደኸሙሉ፥ ኣይንምካሕን ኢና። እኳ ደኣ እምነትኩም ክዓቢ እሞ፥ እቲ ኣባኻትኩም ዝተወሰነልና ኣገልግሎት ክሰፍሕ፥ ተስፋ ንገብር ኣለና።
ንእግዚኣብሄር ኣብ፥ ስለ ዅሉ ነገር፥ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ኵልሻዕ ኣመስግንዎ።
ኵልኻትኩም ኣብ ልበይ ስለ ዘለኹም፥ ብዛዕባ ዅልኻትኩም ክሓስብ ግቡእ እዩ። ተኣሲረ እንተለኹ ኾነ፥ ንወንጌል ክምስርታን ክማጐተላን እንተለኹ፥ ንስኻትኩም ኵልኻትኩም፥ ኣብዝ ፀጋ እዙይ መኻፍልተይ ኢኹምሞ።
ፍቕርኹም፥ ብዅሉ ፍልጠትን ምስትውዓልን፥ ብዝበለፀ እናበዝሐ ምእንቲ ክኸይድ እፅሊ ኣለኹ።
ከምቲ ንሕና ንኣኻትኩም እነፍቅረኩም፥ ጐይታ ኣብ ንስንሳትኩምን ምስ ኵሉ ሰብን፥ ፍቕሪ የብዝሐልኩምን ይወስኸልኩምን።
ሕዚ ግና፥ ጢሞቴዎስ ካባኻትኩም ናባና ስለ ዝተመለሰ፥ ናይ እምነትኩምን ፍቕርኹምን፥ ዘሐጕስ ዜና ኣምፅአልና፤ ብፅቡቕ ከም እትዝክሩና፥ ከምቲ ንሕና ኽንሪኤኩም እንናፍቕ፥ ንስኻትኩምውን ክትሪኡና ኸም እትናፍቑ ነገረና።
ስለ እቲ ብኣኻትኩም፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝተሓጐስናዮ ታሕጓስ፥ ንኣምላኽ ብዛዕባኻትኩም፥ ከመይ ዝበለ ምስጋና ኢና ኽነቕርብ እንኽእል?
ብዝተረፈ ኣሕዋተይ፥ ንእግዚኣብሄር ምእንቲ ኽተሐጕስዎ፥ ከመይ ጌርኩም ክትነብሩ ኸም ዝግብአኩም፥ ካባና ተምሂርኩም ኢኹም። ድሮ እኳ ትነብርዎ ኣለኹም። ሕዚ ኸዓ ነዙይ ብዝበለፀ ኽትነብርዎ፥ ብጐይታና ኢየሱስ ንልምነኩምን ነተባብዐኩምን ኣለና።
ሕዚ ኸዓ፥ ኣቱም ኣሕዋትና፥ ብዛዕባ ምፅኣት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ብዛዕባ እቲ ናብኡ ምእካብናን፥ እንነግረኩም እዙይ እዩ፦
ኣቱም ጐይታ ዘፍቅረኩም ኣሕዋትና፥ ብመንፈስ ቅዱስ ተቐዲስኩምን፥ ነቲ ሓቂ ኣሚንኩምን፥ ምእንቲ ኽትድሕኑ፥ ካብ መጀመርታ ስለ ዝሓረየኩም፥ ንሕና ብዛዕባኻትኩም ንእግዚኣብሄር ኵልሻዕ ክነመስግኖ፥ ግቡእና እዩ።
ንሓቂ ብምእዛዝኩም፥ ግብዝና ንዘይብላ ፍቕሪ ኣሕዋት፥ ነፍስኹም ስለ ዘፅረኹም፥ ብምሉእ ልብኹም ንስንሳትኩም ተፋቐሩ።
ብህይወት ክሳዕ ዘለኹ፥ እናዘኻኸርኩ ኸነቓቕሐኩም፥ ቅኑዕ ኾይኑ ይረአየኒ ኣሎ።
ግና ብናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ፀጋን ፍልጠትን ዕብዩ። ንእኡ፥ ሕዝን ንዘለኣለመ ኣለምን፥ ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን።