1 ካብ ጳውሎስን ስልዋኖስን ጢሞቴዎስን፥ ናብታ ኣብ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ኣብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ዘላ ቤተ ክርስቲያን ተሰሎንቄ።
ሽዑ እቶም ሃዋርያትን ሽማግሌታትን፥ ምስ ኵላ ቤተ ክርስቲያን ኮይኖም፥ ምስ ጳውሎስን በርናባስን፥ ናብ ኣንፆኪያ ዝሰድዎም ሰባት፥ ካብ መንጎኣቶም ክመርፁ ተሰማምዑ፤ ስለዙይ ከዓ ነቶም ኣብ ማእኸል ኣሕዋት ካብ ዝነበሩ ዋናታት፥ በርሰባስ ዝብልዎ ይሁዳን ሲላስን መረፁ።
ካብኡ ጳውሎስ፥ ኣብ ደርቤንን ኣብ ልስጥራንን በፅሐ፤ ኣብኡ ኸዓ፥ ካብ ሓንቲ ኣይሁዳዊት ኣማኒት ሰበይትን፥ ካብ ሓደ ግሪካዊ ሰብኣይን ዝተወለደ፥ ጢሞቴዎስ ዝበሃል ደቀ መዝሙር ነበረ።
ጳውሎስን ሲላስን ብኣንፊጶልን ብኣጶሎንያን ኣቢሎም፥ ናብ ተሰሎንቄ ኣተዉ። ኣብኡውን ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ነበረ።
እቲ ብኣይን ብስልዋኖስን ብጢሞቴዎስን፥ ኣባኻትኩም ዝሰበኽናዮ ኢየሱስ ክርስቶስ ወዲ እግዚኣብሄር “እወን” “ኣይኮነን” ኣይነበረን፤ ብእኡ ዅልሻዕ “እወ” እዩ እምበር።