8 ንሱ ድማ ፍግም ኢሉ “ናብ ከማይ ዝበለ ምዉት ከልቢ ገፅካ ኽትመልስስ፥ ኣነ ሓሽከርካ መን እየ?” በለ።
ኣቢሳ ወዲ ፅሩያ ኸዓ ንንጉስ፥ “እዝ ምዉት ከልቢ እዙይ ስለ ምንታይ እዩ ንጐይታይ ንጉስ ዝፀርፎ ዘሎ? ኸይደ ርእሱ ኽቘርፆ፥ በይዛኻ ፍቐደለይ” በሎ።
ዳዊት ከዓ ንጋድ “የመና ጨኒቑኒ ኣሎ፤ ግና ምሕረቱ ብዙሕ እዩ እሞ፥ ኣብ ኢድ ሰብ ካብ ምውዳቕስ ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር ምውዳቕ ይሕሸኒ” በሎ።
ሽዑ ኣበኔር ብዘረባ ኢያቡስቴ የመና ተቘጢዑ “ኣነስ ንቤት ሳኦል ጠሊመ፥ ኣገልጋሊ ቤት ይሁዳ ዝኸውንዶ ይመስለካ? ካብ ቅድም ሒዘ ንቤት ኣቦኻ ሳኦልን ነሕዋቱን ንፈተውቱን እሙን ኮይነ ኣገልገልኩ፤ ንኣኻውን ናብ ኢድ ዳዊት ኣሕሊፈ ኣይሃብኩኻን። ንስኻ ግና ሎሚ ናብዛ ሰበይቲ እዚኣ ብምእታወይ ከም በደል ትቘፅረለይ ኣለኻ።
ኣዛሄል ከዓ “እዝ ዅሉ ነገር እዙይ ዝገብርስ ኣነ ሓደ ኸልቢ ዝኾንኩ ባርያኻስ መን ኮይነ እየ?” በሎ። ኤልሳዕ ድማ “ንስኻ ንጉስ ሶርያ ኸም እትኸውን እግዚኣብሄር ኣርኢዩኒ ኣሎ” በሎ።
ሕዚ ኸዓ ሰብ ንቖቓሕ ኣብ እምባታት ከም ዝሃድን፥ ንጉስ እስራኤል ንሓደ ቑንጪ ኽትደሊ ወፂእኻ ኢኻ እሞ፥ ደመይ ካብ ገፅ እግዚኣብሄር ርሒቑ ኣብ ምድሪ ባዕዲ ኣይፍሰስ” በሎ።