Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




2 ሳሙኤል 9:7 - መፅሓፍ ቅዱስ

7 ዳዊት ድማ “ምእንቲ ኣቦኻ ዮናታን ኢለ ሰናይ ክገብረልካ እየ እሞ ኣይትፍራሕ፤ ገራሁ ኣቦኻ ሳኦልውን ክመልሰልካ እየ፤ ንስኻ ኸዓ ንሓዋሩ ኣብ ማእደይ ክትበልዕ ኢኻ” በሎ።

Ver Capítulo Copiar




2 ሳሙኤል 9:7
32 Referencias Cruzadas  

ንሳቶም ድማ ናብ ገዛ ዮሴፍ ስለ ዘእተዎም ፈርሑ። “ናብዙይ ኣእትዩና ዘሎ፥ ብምኽንያት እቲ ብቐዳማይ ኣብ ለቛቱና ዝተመለሰ ገንዘብ እዩ፤ ሕዚ ምኽንያት ገይሩ ጕድኣት ከብፅሐልና፥ ነእዱግና ኽወስድ፥ ንኣና ኸዓ ባሮቱ ኽገብረና እዩ” ኢሎም ሓሰቡ።


ንሱ ድማ “ኣይዞኹም ኣይትፍርሑ። ኣብ ለቛቱኹም ገንዘብ ዝሃበኩም ኣምላኽኩምን ኣምላኽ ኣቦታትኩምን እዩ፤ ገንዘብኩምስ በፂሑኒ እዩ” በሎም። ንስምኦንውን ናብኣቶም ኣምፅኦ።


መንግስቲ ሳኦል ሃብኩኻ፤ ኣንስቱውን ኣብ ሕቝፍኻ ኣንበርኩልካ፤ ኣብ እስራኤልን ኣብ ይሁዳን ከዓ ኣንገስኩኻ፤ እዙይ ውሒዱ እንተ ዝኸውን ድማ ኸምኡ ኻልእ ምወሰኽኩልካ ነይረ።


ኵላ ቤት ኣቦይ ብዘይ ሞት ካልእ ኣይግብኣን ነበረ፤ ንስኻ ግና ጐይታይ ንጉስ፥ ንኣይ ንሓሽከርካ ምስቶም ኣብ ማእድኻ ዝበልዑ ኣቐመጥካኒ። ድሕሪ ደጊምከ እንታይ መሰል ኣለኒ? ደጊምከ ኣብ ንጉስ እንታይ ኢለ ኽጠርዕ?” በለ።


እቲ ንጉስ ከዓ፦ “ነቲ ርስቲ ሳኦል ንስኻን ሲባን ተማቐልዎ ኢለ እየ፤ ብዛዕባ ኻልእ ነገር ግና መሊስካ ኣይትዛረብ” በሎ።


ንጉስ ከዓ ንቤርዜሊ “ንስኻ ምሳይ ናብ ኢየሩሳሌም ተሳገር እሞ፥ ዘድልየካ ዅሉ ኽገብረልካ እየ” በሎ።


እቲ ንጉስ ምእንቲ እቲ ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ ዮናታን ወዲ ሳኦልን ዝነበረ ብስም እግዚኣብሄር ዝተገብረ ማሕላ ኢሉ ንሜምፊቦስቴ ወዲ ዮናታን ወዲ ሳኦል ራህርሀሉ።


ዳዊት ድማ “ምእንቲ ዮናታን ኢለ ሰናይ ዝገብረሉ፥ ካብ ቤት ሳኦል ሓደ ዝተረፈ ሰብ ደኾን ይህሉ?” በለ።


ንስኻን ደቅኻን ኣገልገልትኻን ድማ፥ ቤት ወዲ ጐይታኻ ምእንቲ ዝብላዕ ክረክብስ፥ እቲ መሬት ሓሪስኩም ንእኡ ኣእትዉሉ። ሜምፊቦስቴ ወዲ ጐይታኻ ግና ዅልሻዕ ኣብ ማእደይ ክበልዕ እዩ” በሎ። ሲባ ዓሰርተ ሓሙሽተ ኣወዳትን ዕስራ ኣገልገልትን ነበርዎ።


ሲባ ድማ ንንጉስ “ጐይታይ! ከምቲ ንስኻ፥ ንኣይ ንሓሽከርካ ዝኣዘዝካኒ ዅሉ ኽገብር እየ” በሎ። ሜምፊቦስቴ ግና ከም ሓደ ኻብ ደቂ ንጉስ ኣብ ማእዲ ንጉስ ይበልዕ ነበረ።


ሜምፊቦስቴ ከዓ ዅልሻዕ ኣብ ማእዲ ንጉስ እናበልዐ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ይቕመጥ ነበረ፤ ንሱ ኽልቲአን ኣእጋሩ ልሙሳት ነበራ።


ንጉስ ድማ “ምእንቲ እግዚኣብሄር ብርህራሀ ኽከናኸኖስ፥ ካብ ቤት ሳኦል ሓደ ዝተረፈ ሰብዶ የለን?” በሎ። ሲባ ኸዓ ንንጉስ “ኣእጋሩ ዝተጐድአ እባ ሓደ ወዲ ዮናታን ኣሎ” በሎ።


“እቲ ኻብ ኣቤሴሎም ሓውካ ኽሃድም እንተለኹ ቐሪቦሙኒ እዮም እሞ፥ ንደቂ ቤርዜሊ እቲ ገለዓዳዊ ፅቡቕ ግበረሎም፤ ምስቶም ኣብ ማእድኻ ዝበልዑውን ይኹኑ።


ነቲ ኽዳን ቤት ማእሰርቱውን ለወጠሉ፤ ብዅሉ ዘመን ህይወቱ ኸዓ ዅልሻዕ ኣብ ማእዲ ንጉስ እንጀራ ይምገብ ነበረ።


እቲ ኣነ ዝኣምኖ ናይ ሰላመይ ሰብ፥ እንጀራይ ዝበልዐ፥ ኣብ ልዕለይ ሸዀናኡ ኣልዓለ።


ንኢኮንያን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝኽደኖ ዝነበረ ኽዳን ለወጠሉ፤ ምሉእ ዕድሚኡ ኸዓ ኣብ ቅድሚኡ እንጀራ ይበልዕ ነበረ።


“ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ኢሉ ተዛረበ፦ ‘ሓቀኛ ፍርዲ ፍረዱ፤ ኵልኻትኩም ድማ ነሕዋትኩም ሰናይን ምሕረትን ግበሩ።


ናይ ዕለት ምግብና ሎሚ ሃበና፤


እንሆ ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢለ፥ እዅሕዅሕ ኣለኹ። ሓደኳ ድምፀይ ሰሚዑ፥ ማዕፆ እንተ ኸፊቱለይ፥ ናብኡ ኽኣቱ፥ ምስኡውን ክበልዕ እየ፤ ንሱውን ምሳይ ክበልዕ እዩ።


እቲ እግዚኣብሄር ንኣኻትኩም ዝገበሮ ዓብዪ ነገር ረአዩ እሞ ንእኡ ጥራሕ ፍርሑ፤ ብምሉእ ልብኹም ኣሚንኩም ከዓ ኣገልግልዎ።


እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፍ ፀላእቲ ዳዊት ካብ ገፅ ምድሪ ምስ ኣጥፍአ፥ ምሕረትካ ንዘለኣለም ካብ ቤተይ ኣይተቋርፅ” በሎ።


እቲ ንነፍሰይ ዝደልያ ንነፍስኻ ድማ ይደልያ እዩ እሞ፥ ንስኻ ኽትሕሎስ ምሳይ ተቐመጥ፤ ኣይትፍራሕ” በሎ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos