12 ሜምፊቦስቴ፥ ሚካ ዝስሙ ንእሽተይ ወዲ ነበሮ። ኣብ ቤት ሲባ ዝነብሩ ዅሎም ድማ ኣገልገልቲ ሜምፊቦስቴ ኾኑ።
ሲባ ድማ ንንጉስ “ጐይታይ! ከምቲ ንስኻ፥ ንኣይ ንሓሽከርካ ዝኣዘዝካኒ ዅሉ ኽገብር እየ” በሎ። ሜምፊቦስቴ ግና ከም ሓደ ኻብ ደቂ ንጉስ ኣብ ማእዲ ንጉስ ይበልዕ ነበረ።
ሜምፊቦስቴ ከዓ ዅልሻዕ ኣብ ማእዲ ንጉስ እናበልዐ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ይቕመጥ ነበረ፤ ንሱ ኽልቲአን ኣእጋሩ ልሙሳት ነበራ።
ሸሓራይም ከዓ ነተን ኣንስቱ ሑሺምን በዕራን ምስ ፈትሐን፥ ኣብ ምድሪ ሞኣብ ደቂ ወለደ፤
ሚካ፥ ረኣብ፥ ሓሸብያ፥
መታንያ ወዲ ሚካ፥ ወዲ ዘብዲ፥ ወዲ ኣሳፍ፥ ንሱ ጀማሪ ፀሎትን፥ ጀማሪ መዝሙር ምስጋናን ዝነበረ ሓለቓ እዩ። ካብ ኣሕዋቱ ካልኣይ ዝነበረ በቅበቃር፥ ኣብድያ ወዲ ሳሙስ፥ ወዲ ጋላል፥ ወዲ ኤዶታም ነበሩ።