11 ሲባ ድማ ንንጉስ “ጐይታይ! ከምቲ ንስኻ፥ ንኣይ ንሓሽከርካ ዝኣዘዝካኒ ዅሉ ኽገብር እየ” በሎ። ሜምፊቦስቴ ግና ከም ሓደ ኻብ ደቂ ንጉስ ኣብ ማእዲ ንጉስ ይበልዕ ነበረ።
እቶም ሹመኛታት ንጉስ ከዓ ንንጉስ፥ “ጐይታይ ንጉስ፥ ኵሉ ዝደለኻዮ ንምግባር፥ እኒሀና ኣገልገልትኻ ድልዋት ኢና” በልዎ።
ካብ ነገድ ብንያም ከዓ ሽሕ ሰብኡት ምስኡ ነበሩ። ሲባ ኣገልጋሊ ቤት ሳኦል ድማ፥ ዓሰርተ ሓሙሽተ ደቁን ዕስራ ኣገልገልቱን ሒዙ መፀ። ኵላቶም ከዓ ናብቲ ንጉስ ዘለዎ ናብ ዮርዳኖስ መፁ።
ሜምፊቦስቴ ወዲ ወዱ ንሳኦልውን ንንጉስ ክቕበሎ ወሪዱ ነበረ። ንሱ ኻብታ ንጉስ ዝኸደላ መዓልቲ ኽሳዕ እታ ብሰላም ዝተመለሰላ መዓልቲ እግሩ ኣይሓፀበን ጭሕሙውን ኣይላፀየን፤ ክዳኑውን ኣይሓፀበን ነበረ።
ንሱ ድማ “ጐይታይ ንጉስ፥ ኣነ ሓሽከርካ ሓንካስ እየ እሞ፥ ኣድጊ ፅዒነ ተቐሚጠ ምስ ንጉስ ክኸይድ ሓሲበ ነበርኩ፤ ግና ሲባ ሓሽከረይ ኣታለለኒ።
ንስኻን ደቅኻን ኣገልገልትኻን ድማ፥ ቤት ወዲ ጐይታኻ ምእንቲ ዝብላዕ ክረክብስ፥ እቲ መሬት ሓሪስኩም ንእኡ ኣእትዉሉ። ሜምፊቦስቴ ወዲ ጐይታኻ ግና ዅልሻዕ ኣብ ማእደይ ክበልዕ እዩ” በሎ። ሲባ ዓሰርተ ሓሙሽተ ኣወዳትን ዕስራ ኣገልገልትን ነበርዎ።
ሜምፊቦስቴ፥ ሚካ ዝስሙ ንእሽተይ ወዲ ነበሮ። ኣብ ቤት ሲባ ዝነብሩ ዅሎም ድማ ኣገልገልቲ ሜምፊቦስቴ ኾኑ።
ሜምፊቦስቴ ከዓ ዅልሻዕ ኣብ ማእዲ ንጉስ እናበልዐ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ይቕመጥ ነበረ፤ ንሱ ኽልቲአን ኣእጋሩ ልሙሳት ነበራ።