10 ንስኻን ደቅኻን ኣገልገልትኻን ድማ፥ ቤት ወዲ ጐይታኻ ምእንቲ ዝብላዕ ክረክብስ፥ እቲ መሬት ሓሪስኩም ንእኡ ኣእትዉሉ። ሜምፊቦስቴ ወዲ ጐይታኻ ግና ዅልሻዕ ኣብ ማእደይ ክበልዕ እዩ” በሎ። ሲባ ዓሰርተ ሓሙሽተ ኣወዳትን ዕስራ ኣገልገልትን ነበርዎ።
እቲ ንጉስ ድማ “ወዲ ጐይታኻ ደኣ ኣበይ ኣሎ?” በለ። ሲባ ኸዓ ንንጉስ “ንሱስ፥ ‘ሎሚ ቤት እስራኤል፥ መንግስቲ ኣቦይ ክመልሱለይ እዮም’ ኢሉ ስለ ዝሓሰበ ኣብ ኢየሩሳሌም ተቐሚጡ ኣሎ” በሎ።
ንስድራ ንጉስ ከሳግሩን፥ ነቲ ንጉስ ዘድልዮ ኽገብሩሉን ነቲ ሩባ ተሳገሩ። ሳሚ ወዲ ጌራ ኸዓ፥ ንጉስ ንዮርዳኖስ ክሳገር እንተሎ፥ ኣብ ቅድሚኡ ወዲቑ ሰገደሉ።
ኵላ ቤት ኣቦይ ብዘይ ሞት ካልእ ኣይግብኣን ነበረ፤ ንስኻ ግና ጐይታይ ንጉስ፥ ንኣይ ንሓሽከርካ ምስቶም ኣብ ማእድኻ ዝበልዑ ኣቐመጥካኒ። ድሕሪ ደጊምከ እንታይ መሰል ኣለኒ? ደጊምከ ኣብ ንጉስ እንታይ ኢለ ኽጠርዕ?” በለ።
እቲ ንጉስ ምእንቲ እቲ ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ ዮናታን ወዲ ሳኦልን ዝነበረ ብስም እግዚኣብሄር ዝተገብረ ማሕላ ኢሉ ንሜምፊቦስቴ ወዲ ዮናታን ወዲ ሳኦል ራህርሀሉ።
ዳዊት ድማ “ምእንቲ ኣቦኻ ዮናታን ኢለ ሰናይ ክገብረልካ እየ እሞ ኣይትፍራሕ፤ ገራሁ ኣቦኻ ሳኦልውን ክመልሰልካ እየ፤ ንስኻ ኸዓ ንሓዋሩ ኣብ ማእደይ ክትበልዕ ኢኻ” በሎ።
“እቲ ኻብ ኣቤሴሎም ሓውካ ኽሃድም እንተለኹ ቐሪቦሙኒ እዮም እሞ፥ ንደቂ ቤርዜሊ እቲ ገለዓዳዊ ፅቡቕ ግበረሎም፤ ምስቶም ኣብ ማእድኻ ዝበልዑውን ይኹኑ።
ነቲ ኽዳን ቤት ማእሰርቱውን ለወጠሉ፤ ብዅሉ ዘመን ህይወቱ ኸዓ ዅልሻዕ ኣብ ማእዲ ንጉስ እንጀራ ይምገብ ነበረ።
ንጉስ ባቢሎን ኵልሻዕ ንኢኮንያን እንተየቋረፀ ኽሳዕ ዕለተ ሞቱ ቐለቡ ይህቦ ነበረ።
ሓደ ኻብቶም ኣብ ማእዲ ተቐሚጦም ዝነበሩ ነዙይ ምስ ሰምዐ “ኣብ መንግስተ ሰማያት፥ እንጀራ ዝበልዕ ብፁእ እዩ” በለ።