7 ዳዊት ናይቶም ሹመኛታት ኣድርኣዛር ዝነበረ ናይ ወርቂ ዋልታኦም ወሰደ፤ ናብ ኢየሩሳሌምውን ሒዙዎም መፀ።
ዳዊትውን ኣብ ምድሪ ሶርያ ደማስቆ ድማ ሓለውቲ ኣቐመጠ። ሶርያውያን ከዓ ንዳዊት ግዙኣቱ ኾይኖም ግብሪ ኣምፅኡሉ። እግዚኣብሄር ድማ ንዳዊት ኣብ ዅሉ ዝኸዶ ዓወት ሃቦ።
ከምኡውን ካብ ቤጣሕን ካብ ቤሮታይን፥ ከተማታት ኣድርኣዛር፥ የመና ብዙሕ ነሃስ ወሰደ።
እቲ ኻህን ድማ እቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝነበረ ናይ ንጉስ ዳዊት ኲናታቱን ዋልታታቱን ነቶም ኣሕሉቕ ሃቦም።
ዳዊት ከዓ ነቲ ኣብ ወታደራት ሃዳርዔዘር ዝነበረ ዋልታታት ወርቂ ወሰዶ፤ ናብ ኢየሩሳሌም ድማ ኣምፅኦ።