6 ዳዊትውን ኣብ ምድሪ ሶርያ ደማስቆ ድማ ሓለውቲ ኣቐመጠ። ሶርያውያን ከዓ ንዳዊት ግዙኣቱ ኾይኖም ግብሪ ኣምፅኡሉ። እግዚኣብሄር ድማ ንዳዊት ኣብ ዅሉ ዝኸዶ ዓወት ሃቦ።
እቶም ንኣድርኣዛር ዝግዝኡ ዝነበሩ ዅሎም ነገስታት ድማ ኣብ ቅድሚ እስራኤል ከም ዝተስዓሩ ምስ ረአዩ፥ ምስ እስራኤል ተዓሪቖም ንኣኣቶም ተገዝኡ፤ ገበሩሎምውን። ሶርያውያን ከዓ ድሕሪዙይ ፈሪሖም ንደቂ ኣሞን ኣይረድእዎምን።
ሽዑ ዳዊት ኣብ ውሽጢ ዕርዲ ነበረ፤ ዘብዐኛታት ፍልስጥኤማውያን ከዓ ኣብ ቤተ ልሔም ነበሩ።
እግዚኣብሄርውን ብዛዕባ ዳዊት ‘ንህዝበይ እስራኤል ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያንን ካብ ኢድ ኵሎም ፀላእቶምን ብኢድ ዳዊት ባርያይ ከድሕኖም እየ’ ኢሉ ተዛሪቡ ነይሩ እዩ እሞ ሕዚ ግበርዎ” ኢሉ ተዛረቦም።
ዳዊት ከዓ ኣምላኽ ሰራዊት እግዚኣብሄር ምስኡ ስለ ዝነበረ እናበርትዐ ኸደ።
ኣብ ኵሉ ዝኸድካዮ ኸዓ ምሳኻ ነበርኩ፤ ንዅሎም ፀላእትኻውን ካብ ቅድሜኻ ኣጥፋእኹዎም። ከም ስም እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ዓበይቲ ድማ ንስምካ ዓብዪ ኽገብሮ እየ።
ኣብ ኵላ ኤዶምያስ ከዓ ሓለውቲ ኣቐመጠ፤ ኵሎም ኤዶማውያን ድማ ግዙኣት ዳዊት ኮኑ። እግዚኣብሄር ከዓ ንዳዊት ኣብ ኵሉ ዝኸዶ ዓወት ሃቦ።
ንሞኣብውን ወቕዓ፤ ነቶም ሞዓባውያን ድማ ኣብ ምድሪ ለጥ ኣቢሉ በብኽልተ ገመድ ለኪዑ ቐተሎም፤ በብሓደ ገመድ ለኪዑ ኸዓ ብህይወት ሓደጎም። ሞኣባውያን ከዓ ንዳዊት ግዙኣቱ ኾኑ፤ ግብሪውን ኣምፅኡሉ።
ዳዊት ናይቶም ሹመኛታት ኣድርኣዛር ዝነበረ ናይ ወርቂ ዋልታኦም ወሰደ፤ ናብ ኢየሩሳሌምውን ሒዙዎም መፀ።
ሰሎሞን ድማ ኻብቲ ሩባ ኤፍራጥስ ክሳዕ ምድሪ ፍልስጥኤማውያንን ክሳዕ ወሰን ግብፅን ኣብ ልዕሊ ዅሎም መንግስታት ይገዝእ ነበረ። ንሳቶምውን ንሰሎሞን ብዅሉ ዘመን ህይወቱ ይግብሩሉን ይግዝእዎን ነበሩ።
ድሕሪ ሞት ኣክኣብ፥ ሃገር ሞኣብ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዓመፀት።
እቲ ዝተረፈ ናይ ኢዮርብዓም ነገርን እቲ ዝገበሮ ዅሉ ጅግንነቱን፥ ከመይ ከም ዝተዋግአ፥ ነተን ናይ ይሁዳ ኾይነን ዝነበራ ደማስቆን ሓማትን ከዓ ናብ እስራኤል ከም ዘምለሰን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?
ስለዙይ እግዚኣብሄር ምስኡ ነበረ፤ ዝኸዶ መንገዲውን ይቐንዖ ነበረ። ኣብ ልዕሊ ንጉስ ኣሶር ዓመፀ፤ ግብሪውን ኣይገበረሉን።
ሞሳ ንጉስ ሞኣብ በዓል ኣባጊዕ ነበረ። ንንጉስ እስራኤል ድማ ሚእቲ ሽሕ ጡበታትን ፀጕሪ ሚእቲ ሽሕ ማጓሉን ይግብረሉ ነበረ።
ኣብ ኤዶምያስ ከዓ ሓለውቲ ወታደራት ኣቐመጠ፤ ኵሎም ኤዶማውያን ድማ ንዳዊት ዝግብሩ ኾኑ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ንዳዊት ኣብ ኵሉ ዝኸዶ ዓወት ይህቦ ነበረ።
ኣብ ኵለን ዝተዓረዳ ኸተማታት ይሁዳ ሓሻኽር፥ ኣብ ሃገር ይሁዳን ኣብተን ኣቦኡ ኣሳ ዝሓዘን ከተማታት ኤፍሬምን ድማ ሓለውቲ ኣቐመጠ።
ኦ ጐይታይ፥ ሓይሊ ምድሓነይ፥ ብመዓልቲ ውግእ ንርእሰይ ሸፈንካ።
ኦ ጐይታ፥ ዝደርበካና ንስኻዶ ኣይኮንካን? ኦ ኣምላኽ፥ ምስ ሰራዊትናውን ኣይትወፅእን ኢኻ!
ፈረስ ንመዓልቲ ውግእ ይዳሎ፤ ዓወት ግና ኻብ እግዚኣብሄር እዩ።
ዮናታን ድማ ነቲ ኣብ ናሲብ ሰፊሩ ዝነበረ ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ወቕዖ። ፍልስጥኤማውያን ከዓ እዙይ ሰምዑ። ሳኦል ድማ “ዕብራውያን ይስምዑ” ኢሉ ኣብ ኵላ እታ ሃገር መለኸት ነፍሐ።
ሓደ መዓልቲ ድማ፥ ከምዙይ ኮነ፦ ዮናታን ወዲ ሳኦል፥ ነቦኡ እንተይነገረ፥ ነቲ ኣፅዋሩ ዝስከም መንእሰይ፥ “ንዓናይ፥ ናብቲ ኣብ ማዕዶ ዘሎ ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ንሳገር” በሎ።
ሽዑ ኣብ ሰፈርን ኣብ በረኻን ኣብ ኵሉ ህዝቢ ፍልስጥኤምን ሽብር ኮነ፤ እቶም ጭፍራን እቶም ወረርትን ከዓ ኣንቀጥቀጡ። እግዚኣብሄር ፍርሓት ሰደደሎም፤ እታ ምድሪ ድማ ተናወፀት።
ዮናታን ድማ ነቲ ኣፅዋሩ ዝስከም መንእሰይ “እግዚኣብሄር ብብዙሓት ኮነ ብውሑዳት ገይሩ ኸድሕን ይኽእል እዩ እሞ፥ ምናልባሽ እግዚኣብሄር ይሕግዘና ይኸውን፥ ንዓናይ፥ ናብ ጭፍራ እዞም ዘይግሩዛት ሰባት ንሳገር” በሎ።