5 እቶም ናይ ደማስቆ ሶርያውያን ከዓ ንኣድርኣዛር ንጉስ ሶባ ኽሕግዙ ኢሎም ምስ መፁ፥ ዳዊት ካብቶም ሶርያውያን ዕስራን ክልተን ሽሕ ሰብኡት ቀተለ።
ደቂ ኣሞን ድማ ብዳዊት ከም ዝተፀልኡ ምስ ፈለጡ፥ ንደቂ ኣሞን ልኢኾም ካብቶም ኣብ ቤት ሬሖብን ኣብ ሶባን ዝነብሩ ሶርያውያን ዕስራ ሽሕ ኣጋር፥ ካብ ንጉስ መዓካውን ሽሕ ሰባት፥ ካብ ሰብ ጦብ ከዓ ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ ዕሱባት ብገንዘብ ቈፀሩ።
ዳዊት ነቲ ኣብ ሩባ ኤፍራጥስ ዝነበረ ግዝኣቱ ኸምልስ ኢሉ ክኸይድ እንተሎ፥ ንሃዳድዔዘር ወዲ ረኣብ ንጉስ ሱባ ሰዓሮ።
እግዚኣብሄር ንቝጥዓኡ ኣይመልሶን እዩ፤ ኣብ ትሕቲኡ እቶም ንረዓብ ዝሕግዙ ኽዋረዱ እዮም።
ግብፃውያን ሰባት እዮም፥ ኣማልኽቲ ኣይኮኑን። ኣፍራሶም ከዓ ስጋ እምበር፥ መንፈስ ኣይኮኑን። እግዚኣብሄር ኢዱ እንትዝርግሕ እቲ ረዳኢ ይሰናኸል፤ እቲ ተረዳኢውን ይወድቕ፤ ኵላቶም ድማ ሓቢሮም ይጠፍኡ።
ርእሲ ሶርያ ደማስቆ፥ ርእሲ ደማስቆ ኸዓ ረኣሶን እዩ። ኣብ ውሽጢ ስሳን ሓሙሽተን ዓመት ድማ ኤፍሬም ክሰባበር እዩ፥ ህዝቢ ኣይኸውንን።