Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




2 ሳሙኤል 8:4 - መፅሓፍ ቅዱስ

4 ዳዊት ድማ ኻብኡ ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን ፈረሰኛን፥ ዕስራ ሽሕ ከዓ ኣጋራትን ማረኸ። ዳዊት ሚእቲ ፈረስ ሰረገላ ኣትሪፉ፥ ንዅሎም ኣፍራስ ሰረገላ ቛንጃኦም ቈረፀ።

Ver Capítulo Copiar




2 ሳሙኤል 8:4
8 Referencias Cruzadas  

ብቝጥዓኦም ሰብ ቀተሉ፤ ብዅራኦምውን ቋንጃ ኣብዑር ቈረፁ፤ ኣብ ምኽሮም ኣይሕወሰኒ፤ ኣብ ኣኼባኦም ከዓ ኣይፀምረኒ።


ሰሎሞን ሰረገላታትን ኣፍራስን ኣከበ፤ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእቲ ሰረገላን፥ ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ ፈረሰኛታትንውን ነበርዎ። ንገሊኣቶም ኣብ ከተማታት ሰረገላ፥ ንገሊኣቶም ድማ ምስኡ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣቐመጦም።


ዳዊት ከዓ ኻብኡ ሽሕ ሰረገላን ሸውዓተ ሽሕ ፈረሰኛን ዕስራ ሽሕ ኣጋር ሰራዊትን ማሪኹ ወሰደ። ንዅሎም ኣፍራስ ሰረገላ ድማ ቋንጃ ኣእጋሮም ቈረፆም፤ ካብኣቶም ግና ሚእቲ ፈረስ ሰረገላ ኣትረፈ።


ገሊኣቶም ብሰረገላታት፥ ገሊኣቶምውን በፍራስ ይምክሑ፤ ንሕና ግና ብስም እግዚኣብሄር ኣምላኽና ልዕል ልዕል ክንብል ኢና።


እቲ ንጉስ ኣፍራስ ኣየብዝሕ፤ ኣፍራስ ምእንቲ ኸብዝሕ ኢሉ ኸዓ፥ ናብ ግብፂ ሰብ ኣይልኣኽ። እግዚኣብሄር ‘ድሕሪ ደጊም ነዛ መንገዲ እዚኣ ኣይትመለስዋ’ ኢሉኩም እዩ።


እግዚኣብሄር ድማ ንኢያሱ “ፅባሕ ከምዛ እዋን እዚኣ፥ ኣነ ንዅሎም፥ ቅቱላት ገይረ ኣብ ቅድሚ እስራኤል ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ እሞ፥ ንኣኣቶም ኣይትፍራሕ፤ ቋንጃ ኣፍራሶም ክትበትኽ፥ ሰረገላታቶምውን ብሓዊ ኽተንድድ ኢኻ” በሎ።


ኢያሱ ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ገበሮም፤ ቋንጃ ኣፍራሶም በተኸ፤ ሰረገላታቶምውን ብሓዊ ኣንደደ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos