11-12 ነዙይውን ንጉስ ዳዊት፥ ከምቲ ኻብቶም ዝሰዓሮም ኵሎም ኣህዛብ፦ ካብ ሶርያውያንን ሞኣባውያንን፥ ካብ ደቂ ኣሞንን ፍልስጥኤማውያንን ኣማሌቃውያንን፥ ካብ ወዲ ረኣብ ንጉስ ሱባን፥ ካብ ምርኮ ኣድርኣዛርን፥ ዝወሰዶ ብሩርን ወርቅን ንእግዚኣብሄር ቀደሶ።
ኣድርኣዛር ምስ ቶዑ ተዋጊኡ ነበረ እሞ፥ ንዳዊት ብዛዕባ ጥዕናኡ ኽጥይቖን፥ ክምርቖን ንሃዳድዔዘር ድማ ተዋጊኡ ስለ ዝሰዓሮ “እንኳዕ ኣሐጐሰካ” ኽብሎን፥ ኣቑሑ ብሩርን ኣቑሑ ወርቅን ኣቑሑ ነሃስን ኣትሒዙ ንኢዮራም ወዱ ለኣኾ።
ንጉስ ሰሎሞን፥ ቤት እግዚኣብሄር ሓኒፁ ምስ ወድአ፥ ነቲ ኣቦኡ ዳዊት ንእግዚኣብሄር ዝወፈዮ ብሩርን ወርቅን ኣቑሑን ኣምፂኡ ኣብ መዛግብ ቤት እግዚኣብሄር ኣንበሮ።
ንጉስ ዳዊት ነዙይን ነቲ ኻብ ኵሎም ኣህዛብ፥ ካብ ኤዶማውያንን ካብ ሞኣባውያንን ካብ ኣሞናውያንን ካብ ፍልስጥኤማውያንን ካብ ኣማሌቃውያንን፥ ዝማረኾ ብሩርን ወርቅን ንእግዚኣብሄር ወፈዮ።
ኣነ ኸዓ ብዘለኒ ሓይሊ ንመስርሒ ቤት እግዚኣብሄር ዝኸውን ብወርቂ ንዝስራሕ ወርቂ፥ ብብሩር ንዝስራሕ ብሩር፥ ብነሃስ ንዝስራሕ ነሃስ፥ ብሓፂን ንዝስራሕ ሓፂን፥ ብዕንፀይቲ ንዝስራሕ ዕንፀይቲ፥ ከምኡውን ኣዕናቝን እምንን፥ ዝዛነቕ እምንን ፀሊም ዘንፀባርቕ እምንን፥ ዝተቐርፀ እምንን፥ ኵሉ ዓይነት ክቡር እምንን፥ እምነ በረድን፥ ብዙሕ ቀሪበ ኣለኹ።
በዝ ኸምዙይ እቲ ሰሎሞን ንቤት እግዚኣብሄር ዝሰርሖ ዅሉ ስራሕ ተፈፀመ። ሰሎሞን ድማ እቲ ኣቦኡ ዳዊት ንእግዚኣብሄር ዘወፈዮ፥ ነቲ ብሩርን ወርቅን ንዅሉ ኣቑሑን ኣምፂኡ፥ ኣብ ውሽጢ ቤት እግዚኣብሄር ኣብ ዝነበረ ቤተ መዛግብቲ ኣንበሮ።
ኣቲ ጓል ፅዮን ተልዒልኪ ኣኺዲ፤ ንቐርኒኺ ሓፂን፥ ንሸዀናኺ ነሃስ ክገብሮ እየሞ፥ ንብዙሓት ኣህዛብ ክትሰባብሪ ኢኺ፤ ኣነውን ነቲ ዝዘመትዎ ንእግዚኣብሄር፥ ሃብታቶምውን ንጐይታ ዅላ ምድሪ ኽቕድሶ እየ።