10 ኣድርኣዛር ምስ ቶዑ ተዋጊኡ ነበረ እሞ፥ ንዳዊት ብዛዕባ ጥዕናኡ ኽጥይቖን፥ ክምርቖን ንሃዳድዔዘር ድማ ተዋጊኡ ስለ ዝሰዓሮ “እንኳዕ ኣሐጐሰካ” ኽብሎን፥ ኣቑሑ ብሩርን ኣቑሑ ወርቅን ኣቑሑ ነሃስን ኣትሒዙ ንኢዮራም ወዱ ለኣኾ።
ንሱ ድማ ብዛዕባ ጥዕናኦም ጠየቖም፤ “እቲ ብዛዕባኡ ዝተዛረብኩምኒ ሽማግለ ኣቦኻትኩምከ ደሓንዶ ኣሎ? ገናዶ ብህይወት ኣሎ?” በሎም።
ነዙይውን ንጉስ ዳዊት፥ ከምቲ ኻብቶም ዝሰዓሮም ኵሎም ኣህዛብ፦ ካብ ሶርያውያንን ሞኣባውያንን፥ ካብ ደቂ ኣሞንን ፍልስጥኤማውያንን ኣማሌቃውያንን፥ ካብ ወዲ ረኣብ ንጉስ ሱባን፥ ካብ ምርኮ ኣድርኣዛርን፥ ዝወሰዶ ብሩርን ወርቅን ንእግዚኣብሄር ቀደሶ።
ቶዑ ንጉስ ሓማት ድማ፥ ዳዊት ንዅሉ ሰራዊት ኣድርኣዛር ከም ዝሰዓሮ ምስ ሰምዐ፥
እቶም ሹመኛታት ቤተ መንግስቲ ድማ ናብቲ ንጉስ ዘለዎ ኣትዮም ንጐይታና ንጉስ ዳዊት ‘ኣምላኽካ ንሰሎሞን ካባኻ የብልፆ፤ ንዙፋኑ ኸዓ ኻብ ዙፋንካ የዕብዮ’ እናበሉ መረቕዎ። ንጉስ ድማ ኣብ መደቀሲኡ ኾይኑ ንእግዚኣብሄር ሰገደ።
ሃዳርዔዘር ምስ ቶዑ ኵልሻዕ ይዋጋእ ስለ ዝነበረ፥ ንጉስ ዳዊት ንሃዳርዔዘር ተዋጊኡ ስለ ዝሰዓሮ ኸሞግሶን ብዛዕባ ጥዕናኡ ኽጥይቖን ንወዱ ሃዶራም ለኣኸሉ። ምስኡ ድማ ብወርቅን ብብሩርን ብነሃስን ዝተሰርሐ ዅሉ ዓይነት ኣቑሑ ገፀ በረኸት ሰደደሉ።
ብዙሓት ከዓ ናብ ኢየሩሳሌም መፂኦም ንእግዚኣብሄር መባእ፥ ንሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኸዓ ኽቡር ውህብቶ ኣምፅኡ። ድሕሪኡ ኣብ ቅድሚ ዅለን ሃገራት ንጉስ ሕዝቅያስ ልዕል ልዕል በለ።
ሓለፍቲ መንገዲ ድማ፥ “በረኸት እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኹም ይኹን፤ ብስም እግዚኣብሄር ንባርኸኩም ኣለና” ኣይብሉን።
በታ ጊዜ እቲኣ መሮዳክ፥ ወዲ ባልዳን ንጉስ ባቢሎን፥ ሕዝቅያስ ሓሚሙ ኸም ዝሓወየ ሰሚዑ ነበረ እሞ፥ መልእኽትን ገፅ በረኸትን ሰደደሉ።
ነቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ኣዕሪጉ ምስ ፈፀመ ኸዓ ሳሙኤል መፀ። ሳኦል ከዓ ኽቕበሎ ወፀ።