1 ድሕሪዙይ ዳዊት ንፍልስጥኤማውያን ወቕዖም፤ ኣዋረዶምውን፤ ካብ ፍልስጥኤማውያን ድማ ሜቴግ ኣማ ንዝተብሃለት ከተማ ኻብ ኢዶም ኣሕዲጉ ሓዛ።
ኣብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል፥ ኵሎም እቶም ህዝቢ “እዝ ንጉስ ካብ ኢድ ፀላእትና ኣውፅአና፥ ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያንውን ኣድሓነና፤ ሕዚ ኸዓ ብሰንኪ ኣቤሴሎም ካብ ሃገር ሃዲሙ ኣሎ።
ኢዮኣብን ኣቢሳን ግና ንኣበኔር ኣሳጐጕዎ። ኣብታ ኣብ መንገዲ ምድረ በዳ ገባዖን፥ ኣብ መንፅር ጋይ ዘላ ዀረብታ ኣማ ምስ በፅሑ ኸዓ ፀሓይ ዓረበት።
ካብ ክርክር ህዝቢ ተድሕነኒ፤ ርእሲ ኣህዛብ ጌርካ ትሸመኒ፤ ዘይፈልጦ ህዝቢ እውን ይግዝአኒ።
ንዳዊት ኣብ ልዕሊ እስራኤል ክነግስ ከም ዝቐብእዎ ፍልስጥኤማውያን ምስ ሰምዑ፥ ኵሎም ክደልይዎ ደየቡ። ዳዊት ድማ እዙይ ምስ ሰምዐ፥ ናብ ዕርዱ ወረደ።
ዳዊት ከዓ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ገበረ፤ ንፍልስጥኤማውያንውን ካብ ገባዖን ክሳዕ ጌዘር ሰዓሮም።
ኣብ ኵሉ ዝኸድካዮ ኸዓ ምሳኻ ነበርኩ፤ ንዅሎም ፀላእትኻውን ካብ ቅድሜኻ ኣጥፋእኹዎም። ከም ስም እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ዓበይቲ ድማ ንስምካ ዓብዪ ኽገብሮ እየ።
ካብ ክርክር ኣህዛብ ተድሕነኒ፤ ርእሲ ኣህዛብ ጌርካ ድማ ትሸመኒ፤ ዘይፈልጦ ህዝቢ እውን ተገዝአለይ።
ንምድሪ ኣናወፅካያ፤ ሃወኽካያውን፤ ተናዊፃ እያሞ ቝስላ ፈውስ።
ሞኣብ መሕፀብየይ እዩ፤ ኣብ ልዕሊ ኤዶምያስ ሳእነይ ክዝርግሕ እየ፤ ፍልስጥኤም ክግዝኡለይ እዮም።”
ንሳቶም ብእምነት ንመንግስታት ሰዓሩ፤ ብቕንዕና መርሑ፤ እግዚኣብሄር ዘተስፈዎም ረኸቡ፤ ኣፍ ኣናብስ ዓፀዉ፤
ሓይሊ ሓዊ ኣጥፍኡ፤ ካብ ስሕለት ሰይፊ ደሓኑ፤ ኣብ ድኻም በርትዑ፤ ኣብ ውግእ ሓየሉ፤ ሰራዊት ፀላእቲ ሰዓሩ፤
ፍልስጥኤማውያን ተስዓሩ፤ ብድሕሪኡ መሊሶም ንወሰን እስራኤል ኣይወረርዎን። ብዅሉ ዘመን ሳሙኤል ድማ መቕፃዕቲ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ፍልስጥኤማውያን ከቢዱ ነበረ።