9 ኣብ ኵሉ ዝኸድካዮ ኸዓ ምሳኻ ነበርኩ፤ ንዅሎም ፀላእትኻውን ካብ ቅድሜኻ ኣጥፋእኹዎም። ከም ስም እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ዓበይቲ ድማ ንስምካ ዓብዪ ኽገብሮ እየ።
ዓብዪ ህዝቢ ኽገብረካን ክባርኸካን እየ፤ ንስምካውን ከዕብዮ እየ፤ ንበረኸት ድማ ኽትከውን ኢኻ።
ዳዊት ድማ በታ እግዚኣብሄር ንእኡ ኻብ ኢድ ኵሎም ፀላእቱን ካብ ኢድ ሳኦልን ዘድሓነላ መዓልቲ ንእግዚኣብሄር እዝ መዝሙር እዙይ ዘመረ።
ብናትካ ሓይሊ ኣብ ልዕሊ ጭፍራ እጐዪ እየሞ፤ ብኣምላኸይውን ንዕርዲ እዘሎ።
ከም ሓመድ ምድሪ ጠሓንኩዎም፤ ከም ጭቃ መንገዲ ረገፅኩዎም፤
መወዳእታ ዘረባ ዳዊት እዙይ እዩ፤ እቲ ልዕል ልዕል ዘበሎ ሰብ፥ እቲ ኣምላኽ ያእቆብ ዝቐብኦ፥ እቲ ናይ እስራኤል ጥዑም ዘማሪ ዝኾነ፥ ዳዊት ወዲ እሴይ ዝተዛረቦ እዙይ እዩ።
ዳዊት ከዓ ኣምላኽ ሰራዊት እግዚኣብሄር ምስኡ ስለ ዝነበረ እናበርትዐ ኸደ።
ዳዊት ንኤዶማውያን ስዒሩ ምስ ተመለሰ፤ ኣብ ለሰ ጨው ዓሰርተ ሸሞንተ ሽሕ ሰባት ምስ ቀተለ፥ ስሙ ገነነ።
ኣብ ኵላ ኤዶምያስ ከዓ ሓለውቲ ኣቐመጠ፤ ኵሎም ኤዶማውያን ድማ ግዙኣት ዳዊት ኮኑ። እግዚኣብሄር ከዓ ንዳዊት ኣብ ኵሉ ዝኸዶ ዓወት ሃቦ።
ዳዊትውን ኣብ ምድሪ ሶርያ ደማስቆ ድማ ሓለውቲ ኣቐመጠ። ሶርያውያን ከዓ ንዳዊት ግዙኣቱ ኾይኖም ግብሪ ኣምፅኡሉ። እግዚኣብሄር ድማ ንዳዊት ኣብ ዅሉ ዝኸዶ ዓወት ሃቦ።
ኣብ ኵሉ ዝኸድካዮ ምሳኻ ነበርኩ፥ ንዅሎም ፀላእትኻውን ካብ ቅድሜኻ ኣጥፋእኽዎም። ከም ስም እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ዓበይቲ ድማ ዓብዪ ስም ክህበካ እየ።
ዘለኣለማዊ በረኸትውን ሂብካዮ ኢኻሞ፥ ብሓጐስ ገፅካ ኣሐጐስካዮ።
ንፀላእቱ ካብ ቅድሚኡ ኸጥፍኦም እየ፤ ነቶም ዝፀልእዎውን ከዋርዶም እየ።
ንሓያላት ካብ ዙፋናቶም ኣውረዶም፤ ንዝተዋረዱ ልዕል ኣበሎም።
እግዚኣብሄር ምስ ኢያሱ ነበረ እሞ፥ ዝናኡ ናብ ኵላ እታ ሃገር በፅሐ።
ዳዊትውን ብዅሉ ኣካይዳኡ ኣስተውዒሉ ይገብር ነበረ፤ እግዚኣብሄርውን ምስኡ ነበረ።
ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያን ከዓ ኽዋግኡ በብጊዜኡ ይወፁ ነበሩ። በብዝወፁላ ድማ ኻብ ኵሎም ሓሻኽር ሳኦል፥ ዳዊት ብምስትውዓል ይገብር ስለ ዝነበረ፥ ስሙ የመና ገነነ።
ምስ መኳንንቲ ህዝቡ ንኸቐምጦም፥ ዙፋን ክብሪውን ንኸውርሶም፥ ነቲ ድኻ ኻብ ሓመድ የተስኦ፤ ንምስኪንውን ካብ መሬት የልዕሎ፤ መሰረታት ምድሪ ናይ እግዚኣብሄር እዩሞ፥ ንዓለም ከዓ ኣብ ልዕሊኡ ኣንቢርዋ ኣሎ።
በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ ሳኦልን ሰለስቲኦም ደቁን እቲ ኣፅዋሩ ዝሽከምን ኵሎም ሰባቱን ብሓደ ሞቱ።
ሽዑ ንታቦት እግዚኣብሄር ናብ ኣስቀሎና ሰደድዎ። እቲ ታቦት ኣምላኽ ናብ ኣስቀሎና ምስ መፀ፥ እቶም ኣስቀሎናውያን “ንኣናን ንህዝብናን ምእንቲ ኽቐትሉናስ፥ ታቦት ኣምላኽ እስራኤል ኣምፂኦምልና” ኢሎም ኣእወዩ።