7 ምስ ኵሎም ደቂ እስራኤል ኣብ ዝተጕዓዝኩሉ፥ ንህዝበይ እስራኤል ክጓስዩ ኻብ ዝኣዘዝክዎም መራሕቲ እስራኤል ንሓደኳ ስለ ምንታይ ብኦም ፅሕዲ ቤት ዘይሰራሕኹምለይ ኢለዶ ተዛሪበ እየ?’
ካብ ቀደም፥ ሳኦል ኣብ ልዕሌና ነጊሱ እንተሎውን፥ ንእስራኤል ናብ ውግእ እትመርሕ ንስኻ ኢኻ ኔርኻ። እግዚኣብሄርውን ንኣኻ እዩ ‘ንስኻ ንህዝበይ እስራኤል ክትጓሲ ኢኻ፤ ንስኻ ኸዓ ኣብ ልዕሊ እስራኤል መራሒ ኽትከውን ኢኻ’ ኢሉካ ነይሩ እዩ” በልዎ።
ካብ ቀደምውን ሳኦል ነጊሱ እንተሎ፥ ንእስራኤል እተእቱን እተውፅእን ዝነበርካ ንስኻ ኢኻ። እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸዓ ‘ንስኻ ንህዝበይ እስራኤል ክትጓሲ ኢኻ፤ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤልውን መራሒ ኽትከውን ኢኻ’ ዝበለካ ንኣኻ እዩ።”
ኣብቲ ምስ ህዝቢ እስራኤል ዝተመላለስኩሉ፥ ንሓደ ኻብቶም ንህዝበይ ክመርሑ ዝኣዘዝክዎም ኣሕሉቕ እስራኤል ስለ ምንታይ ካብ ኦም ዝግባ ቤት ዘይሰራሕኹምለይ ኢለውን ኣይተዛረብኩን።
ንሱ ንመጓሰኡ ኸም ጓሳ የውፍረን፤ ንመሓሲኡ ኣኪቡ ኣብ ሕቝፉ ይስከመን፤ ነተን ዘጥብዋ ድማ ብህድኣት ይመርሐን።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ሰማይ ዙፋነይ እዩ፤ ምድሪ ኸዓ መርገፂ እግረይ እያ። እቲ ንስኻትኩም እትሰርሑለይ ቤት ደኣ፥ ከመይ ዝበለ እዩ? እቲ ኣነ ዝዓርፈሉ ስፍራኸ፥ ከመይ ዝበለ እዩ?
ዝጓስይወን ጓሶት ከተስአለን እየ፤ ድሕሪዙይ ኣይፈርሓን ኣይድንግፃን፥ ካብኣተን ሓንቲኳ ኣይትጐድልን እያ” ይብል እግዚኣብሄር።
ከም ልበይ ዝኾኑ ሓለውቲ ኣባጊዕ ክህበኩም እየ፤ ብፍልጠትን ብምስትውዓልን ክሕልዉኹም እዮም።
ኣነ ባዕለይ ነባጊዐይ ከውፍረን፥ ባዕለይ ድማ ኸስፍረን እየ’ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ኣብ ልዕሊ ጓሶት እስራኤል ተነበ። ነቶም ጓሶት ተነበየሎም፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካውን ንገሮም፦ ነቶም ንርእሶም ጥራሕ ዝጓስዩ ጓሶት እስራኤል ወይለኦም! እቶም ጓሶትስ ነተን ኣባጊዕዶ ኣይኮኑን ዝጓስዩ።
ኣነ ድማ ዝጓስየን ሓደ ጓሳ፥ ንዳዊት ባርያይ ከተስአለን እየ፤ ንሱ ኽጓስየን፥ ጓሳአን ድማ ክኸውን እዩ።
ንሱ ብሓይሊ እግዚኣብሄርን፥ ብግርማ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኹን፥ ንመጓሰኡ ክጓስየን እዩ። ሽዑ ንሱ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ዓብዪ ክኸውን እዩ እሞ፥ ንሳቶምውን ክነብሩ እዮም።
ስለዙይ ንርእስኹምን፥ ነታ ክርስቶስ ብደሙ ዝተቤዘዋ ቤተ ክርስቲያን እግዚኣብሄርን ክትሕልዉ፥ መንፈስ ቅዱስ ኤጲስ ቆጶሳት ገይሩ ኣብኣ ዝሸመኩም፥ ነቲ ዅሉ መጓሰ ሓልዉ።
“ኣቱም ሰብ እስራኤል፥ ንዑ ርድኡና፤ እቲ ኣብ ፈቖዶ ሃገር፥ ምስ እዝ ህዝቢ እዙይን፥ ምስ እዝ ሕጊ እዙይን፥ ምስ እዛ ስፍራ እዚኣን ዝፃረር ነገር፥ ንዅሉ ሰብ ዝምህር ሰብኣይ እዙይ እዩ፤ ኣብ ርእሲ እዙይ ድማ፥ ግሪካውያን ናብዛ መቕደስ እዚኣ ኣእትዩ፥ ነዛ ቕድስቲ ስፍራ ኣርኪስዋ እዩ” እናበሉ፥ ዓው ኢሎም ድምፂ ኣስምዑ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፥ ምእንቲ ኸድሕነኩምን ንፀላእትኹም ኣብ ኢድኩም ክህበኩምን፥ ብማእኸል ሰፈርኩም ክሓልፍ እዩ እሞ፥ ዝኾነ ዘሕፍር ነገር ከይሪአልኩም፥ ገፁ ኸዓ ኻባኻትኩም ከይመልስ፥ እቲ ሰፈርኩም ቅዱስ ይኹን።
ኣነ ኸምኣቶም ሽማግለ ዝኾንኩ፥ ናይቲ ክርስቶስ ዝተቐበሎ ስቓይ መስካሪ፥ ኣብቲ ደሓር ክግለፅ ዘለዎ ኽብሪውን ተኻፋሊ ዝኾንኩ፥ ነቶም ኣብ ማእኸልኩም ዘለዉ ሽማግለታት፥ እምዕዶም ኣለኹ።