5 “ኪድ፤ ንባርያይ ዳዊት ‘እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ’ በሎ። ‘ንስኻ ኣነ ዝነብረላ ቤት ኣይትሰርሐለይን ኢኻ።
በታ ለይቲ እቲኣ ድማ እግዚኣብሄር ንናታን ከምዙይ በሎ፦
ንጉስ ድማ እታ ቤተ መቕደስ ብውቑር እምኒ ምእንቲ ኽትስረትስ፥ ገዘፍቲ ኽቡራት ኣእማን ክዅዕቱ ኣዘዘ።
“ብዛዕባ እዛ ንስኻ እትሰርሓ ዘለኻ ቤተ መቕደስ፥ ብሕግታተይ እንተ ኼድካ፥ ስርዓታተይ ከዓ እንተ ጌርካ፥ ንዅሉ ትእዛዛተይውን እንተ ሓለኻዮ፥ እቲ ነቦኻ ዳዊት ዘተስፈኽዎ ቓለይ ምሳኻ ኸፅንዖ እየ።
ኪድ እሞ ንዳዊት ባርያይ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮ በሎ፦ “ኣነ ዝነብረሉ ቤት ንስኻ ኣይኮንካን እትሰርሐለይ።
ኣምላኽ ግና ‘ንስኻ ናይ ኲናት ሰብ ኢኻ፤ ደም ድማ ኣፍሲስካ ኔርካ ኢኻ እሞ፥ ንኣይ ቤት ኣይትሰርሐለይን ኢኻ’ በለኒ።
ምድላው ልቢ ኻብ ሰብ እዩ፤ መልሓስ እትምልሶ ግና ኻብ እግዚኣብሄር እዩ።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ሰማይ ዙፋነይ እዩ፤ ምድሪ ኸዓ መርገፂ እግረይ እያ። እቲ ንስኻትኩም እትሰርሑለይ ቤት ደኣ፥ ከመይ ዝበለ እዩ? እቲ ኣነ ዝዓርፈሉ ስፍራኸ፥ ከመይ ዝበለ እዩ?