12 መዓልቲታትካ ምስ ኣኸላ፥ ምስ ኣቦታትካ ኸዓ ምስ ተቐበርካ፥ ብድሕሬኻ ነቲ ኻብ ሕቘኻ ዝወፅእ ዘርእኻ፥ ልዕል ከብሎ እየ፤ ነታ መንግስቱውን ከፅንዓ እየ።
እግዚኣብሄር ድማ “ኣይፋሉን፥ ካባኻ ዝተወልደ እዩ ዝወርሰካ እምበር፥ እዙይስ ኣይወርሰካን እዩ” በሎ።
ንመድሓኒት ንጉስ ዓባይ ዝገብራ ንሱ እዩ፤ ምሕረቱውን ንዝቐብኦ ዳዊትን ንዘርኡን፥ ንዘለኣለም ይገብር።
እንተ ዘይኮነ፥ ንስኻ ጐይታይ ንጉስ ምስ ሞትካ፥ ኣነን ሰሎሞን ወደይን ከም ዓመፅቲ ኽንቍፀር ኢና” በለቶ።
ቀፂሉ ኸዓ ‘እቲ ኣዒንተይ እናረአያ ሎሚ ኣብ ዙፋነይ ዝቕመጥ ውሉድ ዝሃበኒ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይመስገን’ በለ።”
ዳዊት ዝሞተላ መዓልቲ ምስ ቀረበት ንሰሎሞን ወዱ ኸምዙይ ኢሉ ኣዘዞ፦
ዳዊት ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ኣብ ከተማ ዳዊትውን ተቐበረ።
እግዚኣብሄር ነቲ ‘ደቅኻ፥ ብኣካይዳኦም እንተ ተጠንቂቖም፥ ኣብ ቅድመይ ብምሉእ ልቦምን ብምሉእ ነፍሶምን ብሓቂ እንተ ተመላሊሶም፥ ካብ ዘርእኻ ኣብ ዙፋን እስራኤል ዝነግስ ኣየቋርፅን እዩ’ ኢሉ ዝተናገሮ ቓል ምእንቲ ኸፅንዕ እዩ።
እንሆ ኸዓ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ነቦይ ዳዊት ‘እቲ ኽንዳኻ ኣብ ዙፋንካ ዘቐምጦ ወድኻ፥ ንሱ ንስመይ ቤት ክሰርሕ እዩ’ ኢሉ ዝተዛረቦ፥ ብስም እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ቤት ክሰርሕ እሓስብ ኣለኹ።
ከምዙይ ድማ በለ፦ “ካብታ ንህዝበይ እስራኤል ካብ ግብፂ ዘውፃእኹላ መዓልቲ ጀሚረ ኻብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል ስመይ ዝነብረሉ ቤተ መቕደስ እትስርሐላ ኸተማ ኣይሓረኹን። ሕዚ ግና ስመይ ኣብኡ ክኸውን ንኢየሩሳሌም መሪፀ ኣለኹ፤ ንዳዊትውን ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል ክኸውን መሪፀዮ ኣለኹ ኢሉ ብኣፉ ነቦይ ዳዊት ዝተዛረቦ፥ ብኢዱ ኸዓ ዝፈፀሞ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይመስገን።
ግና እቲ ኻብ ሕቘኻ ዝውፅእ ወድኻ እዩ ንስመይ ቤተ መቕደስ ዝሰርሐለይ እምበር ንስኻ ኣይኮንካን ቤተ መቕደስ እትሰርሐለይ’ በሎ።
“እግዚኣብሄር ከዓ ነቲ ዝተዛረቦ ቓል ኣፅንዖ፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝሃቦ ተስፋ፥ ክንዲ ኣቦይ ዳዊት ተልዓልኩ፤ ኣብ ዙፋን እስራኤልውን ተቐመጥኩ፤ ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከዓ ቤተ መቕደስ ሰሪሐ ኣለኹ።
ሽዑ ኸምቲ ነቦኻ ዳዊት ‘ኣብ ዙፋን እስራኤል ዝቕመጥ ሰብ ኣየቋርፀልካን እየ’ ዝበልክዎ፥ ንዙፋን መንግስትኻ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንዘለኣለም ከፅንዖ እየ።
እግዚኣብሄር ግና፥ ከምቲ ንእኡን ንደቁን ንሓዋሩ መንግስቲ ኽህቦም ዘተስፈዎ፥ ምእንቲ ዳዊት ባርያኡ ኢሉ፥ ንይሁዳ ኸጥፍኣ ኣይደለየን።
ናብ ኣቦታትካ ኽትከይድ ዕድሜኻ ምስ ተፈፀመ፥ ብድሕሬኻ ንሓደ ኻብ ደቅኻ ዝኸውን ዘርእኻ፥ ልዕል ከብሎ እየ፤ ንመንግስቱ ኸዓ ኸፅንዓ እየ።
ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ! እቲ ነቦይ ዳዊት ዝሃብካዮ ተስፋ ሕዚ ፈፅሞ፤ ብዝሓቱ ኸም ሓመድ ምድሪ ኣብ ዝኾነ ህዝቢ ንስኻ ኣንጊስካኒ ኣለኻ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ንዳዊትን ንደቁን፥ ንዘለኣለም ዘይድምሰስ ናይ ጨው ቃል ኪዳን ከም ዝሃቦምዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም?
እግዚኣብሄር ግና፥ ምእንቲ እቲ ምስ ዳዊት ዝኣተዎ ኺዳንን፥ ከምቲ ንእኡን ንደቁን ንሓዋሩ መንግስቲ ኸም ዝህቦም ዘተስፈዎ፥ ነታ ቤት ዳዊት ከጥፍኣ ኣይደለየን።
ኵሉ እቲ ህዝቢ ድማ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ተኣከበ፤ ምስ ኢዮኣስ ወዲ ንጉስ ከዓ ኺዳን ኣተወ። ዮዳሄ ድማ “እንሆ ኸምቲ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ደቂ ዳዊት ዝተዛረቦ ኽነግስ ዝግብኦ እዝ ወዲ ንጉስ እዙይ እዩ” ኢሉ ተዛረቦም።
እቲ ንባርያኻ፥ ነቦይ ዳዊት፥ ዘተስፈኻዮ ሓለኻዮ፤ ነቲ ብቓልካ ዝተናገርካዮ፥ ከምዝ ሎሚ መዓልቲ ኾይንዎ ዘሎ፥ ብኢድካ ፈፀምካዮ።
ግና እቲ ኻብ ሕቘኻ ዝወፅእ ወድኻ እዩ ንስመይ ቤት ዝሰርሐለይ እምበር፥ ንስኻ ኣይኮንካን ቤት እትሰርሐለይ’ በሎ።
ዘርኡውን ንዘለኣለመ ኣለም፥ ንዙፋኑውን ከም መዋእል ሰማይ ክገብሮ እየ።”
በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ንኣህዛብ ምልክት ክኸውን ንዝቖመ ሱር እሴይ፥ ኣህዛብ ክደልይዎ እዮም። መዕረፊኡውን ዝኸበረ ክኸውን እዩ።
ካብ ሕዚ ጀሚሩ ኽሳዕ ዘለኣለም፥ ብፍትሕን ብፅድቅን ምእንቲ ኸቝሞን ከፅንዖን፥ ኣብ ዙፋን ዳዊትን ኣብ መንግስቱን፥ ዕቤት ግዝኣቱ ክበዝሕ እዩ፤ ንሰላሙውን መወዳእታ የብሉን። ቅንኢ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ነዙይ ክገብሮ እዩ።
ካብ ዳዊት፥ ኣብ ዙፋን ቤት እስራኤል ዝቕመጥ ሰብ ከቶ ኣይሰኣንን እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ካብቶም ኣብ ውሽጢ ሓመድ ምድሪ ዝደቀሱ፥ ብዙሓት ክትስኡ እዮም፤ ገሊኣቶም ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት፥ ገሊኣቶም ከዓ ናብ ሕፍረትን ናብ ናይ ዘለኣለም ሓሳርን ክትስኡ እዮም።
ወዲ ዳዊት ወዲ ኣብርሃም፥ ናይ ዝኾነ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ መፅሓፍ ትውልዲ፦
ንሱ ዓብዪ ክኸውን፥ ወዲ ልዑል እግዚኣብሄርውን ክብሃል እዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ፥ ዙፋን ኣቦኡ ዳዊት ክህቦ እዩ።
ነቲ ብዛዕባኡ ኣብ ኵሉ መፃሕፍቲ ዘሎ፥ ካብ ሙሴን ካብ ኵሎም ነቢያትን እናጠቐሰ፥ ክገልፀሎም ጀመረ።
ዳዊት ግና ብዘመኑ ኸም ፍቓድ እግዚኣብሄር ኣገልግሎቱ ምስ ፈፀመ ዓረፈ፤ ተቐቢሩ ኸዓ ምብስባስ ረአየ።
ንሱ ነቢይ ስለ ዝነበረ፥ እግዚኣብሄር ሓደ ኻብ ፍረ ኸርሱ ኣብ ዙፋኑ ኸቐምጥ፥ ማሕላ ኸም ዝመሓለሉ ይፈልጥ ነበረ።
እንሆ ምስጢር እነግረኩም ኣለኹ፤ እቲ ናይ መወዳእታ መለኸት ምስ ተነፍሐ፥ ኵላትና ብሓንሳእ ብቕፅበት ዓይኒ ኽንልወጥ ኢና እምበር፥ ኵላትና ኣይንድቅስን ኢና። እቲ መለኸት ክንፋሕ እዩ እሞ፥ እቶም ምዉታን ድማ፥ ዘይሞቱ ኾይኖም ክትስኡ እዮም፤ ንሕናውን ክንልወጥ ኢና።
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “እንሆ ንስኻ ኽትመውት ኢኻ፤ ብድሕሬኻ ኸዓ እዞም ህዝቢ እዚኣቶም ክጠልሙኒ እዮም፤ ደድሕሪ እቶም ኣማልኽቲ ናይታ ዝኣትዉዋ ዘለዉ ምድሪ ኽስዕቡ እዮም። ንኣይ ክሓድጉኒ፥ ነቲ ምስኣቶም ዝኣተኹዎ ኺዳን እውን ከፍርስዎ እዮም።
ኢየሱስ ከም ዝሞተ፥ ካብ ሞትውን ከም ዝተስአ፥ እንተ ደኣ ንኣምን ኴንና፥ እግዚኣብሄር፥ ነቶም ብኢየሱስ ኣሚኖም ደቂሶም ዘለዉ፥ ብኢየሱስ ኣተሲኡ ምስኡ ኸምፅኦም እዩ።