10-11 ንህዝበይ እስራኤልውን ቦታ ኸዳልወሉ፥ ድሕሪ ደጊም ከይነቓነቕስ ኣብታ ቦታኡ ኽተኽሎ እየ። ሽዑ፥ ከምቲ ኻብታ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል መራሕቲ ክኾኑ ዝኣዘዝኩላ መዓልቲ፥ እቶም ዓመፅቲ ኸምቲ ናይ ቀደም መሊሶም ኣየጨንቕዎምን እዮም። ካብ ኵሎም ፀላእትኻ ድማ ኸዕርፈካ እየ። “ኣነ ቤት ከም ዝሰርሐልካ እነግረካ ኣለኹ።
ሓንትስ ከምቲ ዅሉ ዝኣዘዝክዎምን ከምቲ ብባርያይ ሙሴ ገይረ ዝሃብክዎም ኵሉ ሕግን ከዓ ንምፍፃም እንተ ተጠንቀቑ፥ ሽዑ ንደቂ እስራኤል ካብታ ነቦታቶም ዝሃብክዎም ምድሪ መሊሰ ኣየግዕዞምን እየ።”
ንህዝበይ እስራኤል ቦታ ኸዳልወሎም እየ፤ ኣብኣ ኸዓ ኽተኽሎም እየ፤ ድሕሪ ደጊምውን ዝህውኾም ኣይህሉን እዩ። ሽዑ ኸምቲ ናይ ቀደም መሳፍንቲ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል ዝገዝኡሉ ዝነበሩ፥ እቶም ደቂ ዓመፅቲ መሊሶም ኣየጨንቕዎምን እዮም። ንዅሎም ፀላእትኻ ድማ ኸዋርዶም እየ። እኳ ደኣ እግዚኣብሄር ቤት ከም ዝሰርሐልካ እነግረካ ኣለኹ።
እንተ ኾነ ኸምቲ ዅሉ ዝኣዘዝክዎም፥ ከምቲ ብባርያይ ሙሴ ገይረ ዝሃብክዎም ኵሉ ሕግን ስርዓታትን ትእዛዛትን ንምግባር ደኣ ይጠንቀቑ እምበር፥ ንደቂ እስራኤል ካብታ ነቦታቶም ዝሃብክዎም ምድሪ መሊሰ ኣይነቕሎምን እየ።”
ኢድካ ንኣህዛብ ኣጥፍአቶም፤ ንኣኣቶም ድማ ተኸልካ፤ ንኣህዛብ ኣሳቐኻዮም፤ ኣሳጐጕካዮምውን።
ኣምላኸይን ንጉሰይን ንስኻ ኢኻ፤ ንያእቆብ መድሓኒት ኣዝዝ።
ተኽሊ ወይኒ ካብ ግብፂ ኣምፃእኻ፤ ንኣህዛብ ሰጒጕካ ድማ ንኣኣ ተኸልካያ።
ኣብ ቅድሚኣ መንገዲ ፀረግካ፤ ሰራውራ ተኸልካ፤ ንምድሪ እውን መልአት።
ፈርዖን ድማ “ኵሉ ኻብ ዕብራውያን ዝተወለደ ወዲ ናብ ሩባ ደርቢይዎ፤ ኣጓላት ዝኾና ግና ብህይወት ክነብራ ሕደግወን” ኢሉ ንዅሉ ህዝቡ ኣዘዘ።
ኦ እግዚኣብሄር! ናብቲ መሕደሪኻ ክኸውን ዘዳለኻዮ ቦታ፥ ጐይታ፥ ናብቲ ኣእዳውካ ዘዳለዋኦ መቕደስ፥ ኣብቲ ርስትኻ ዝኾነ እምባ ኣእቲኻ ኽትተኽሎም ኢኻ።
ኰዓቶ፤ ነእማኑ ኸዓ ኣርዩ ኣውፅኦ እሞ፥ ዝተመረፀ ተኽሊ ወይኒ ተኸለሉ፤ ኣብ ማእኸሉ ድማ መሐለዊ ግንቢ ሰርሐሉ፤ መፅመቚ ወይኒ ኸዓ ኣብ ውሽጡ ዀዓተሉ። ወይኒ ኸፍሪውን ተፀበየ፤ ግና መፂፅ ፍረ ፈረየ።
ናይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣታኽልቲ ወይኒ፥ ቤት እስራኤል እዩ። እቶም ኣታኽልቲ ደስታኡ ድማ ህዝቢ ይሁዳ እዮም፤ ፍትሒ ተስፋ ይገብር ነበረ፤ ግና ምፍሳስ ደም ኮነ፤ ፅድቂ ተፀበየ፤ እንሆ ኸዓ ኣውያት ኮነ።
ድሕሪዙይ ዓመፅ ኣብ ምድርኺ፥ ጥፍኣትን ምዕናውን ኣብ ወሰንኪ፥ ኣይስማዕን እዩ፤ ግና ንቕፅርታትኪ ‘ድሕነት’ ንደገታትኪ ኸዓ፥ ‘ምስጋና’ ኢልኪ ኽትፅውዕየን ኢኺ።”
ኵሎም ህዝብኺ ፃድቃን ክኾኑ፥ ነታ ምድሪ ኸዓ ንዘለኣለም ክወርስዋ እዮም፤ ንሳቶም ንኽብረይ ዝኸውን ጨንፈር ተኽለይ፥ ግብሪ ኣእዳወይ እዮም።
ከምኡ ኸዓ ንሓደ ህዝቢ ወይ መንግስቲ ‘ክሃንፆን ክተኽሎን እየ’ ኢለ እንተ ተዛረብኩ፥
ዓይነይውን ንፅቡቕ ኣብ ልዕሊኣቶም ክገብር እየ፤ ናብዛ ሃገር እዚኣውን ክመልሶም እየ። ክሃንፆም እምበር ኣየፍርሶምን፥ ክተኽሎም እምበር ኣይነቕሎምን እየ።
“ድሕሪዙይ ንቤት እስራኤል፥ ኣብ ኵሎም እቶም ዘቃልልዎም ጐረባብቶም፥ ዝወግእ እሾዅ ወይ ዘሕምም ተዀርባ ኣይህሉን እዩ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃነይ ከዓ ኽፈልጡ እዮም።”
በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ምስ ኣራዊት በረኻን፥ ምስ ኣዕዋፍ ሰማይን፥ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ምስ ዝንቀሳቐሱ ፍጥረታትን፥ ቃል ኪዳን ክኣትወሎም እየ። ኵሎም ብሰላም ምእንቲ ኽነብሩውን፥ ቀስትን ሰይፍን ኲናትን ካብ ምድሪ ኸወግድ እየ።
ኣነ ኣብ ምድሮም ክተኽሎም እየ፤ ድሕሪዙይ ከዓ ኻብታ ዝሃብክዎም ምድሪ ኸቶ ኣይንቀሉን፤ ይብል ኣምላኽካ እግዚኣብሄር።”
እግዚኣብሄር ከዓ፥ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ክሕብስ እዩ። እቲ ቐዳማይ ስርዓት ሓሊፉ እዩ፤ እንሆ ዅሉ ተሓዲሱ እዩ እሞ፥ ድሕሪ ደጊም ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይህሉን እዩ” እንትብል ሰማዕኹ።
ኢያቢስ ድማ ትሽዓተ ሚእቲ ሰረገላ ሓፂን ነበሮ፤ ንደቂ እስራኤል ከዓ ዕስራ ዓመት ብሓይሊ ገዝኦም። ሽዑ ደቂ እስራኤል ናብ እግዚኣብሄር ተማህለሉ።
ካብቲ ሰፈር ፍልስጥኤማውያን ከዓ ወረርቲ ብሰለስተ ኽፍሊ ኾይኖም ወፁ፤ እቲ ሓደ ኽፍሊ ናብ ኤፍራታ ናይ ምድሪ ሶጋል ኣቢሉ ኸደ።