Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




2 ሳሙኤል 7:1 - መፅሓፍ ቅዱስ

1 ከምዙይ ድማ ኾነ፦ እቲ ንጉስ ኣብ ቤቱ ተቐመጠ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ኻብቶም ኣብ ዙርያኡ ዝነበሩ ዅሎም ፀላእቱ ኣዕረፎ።

Ver Capítulo Copiar




2 ሳሙኤል 7:1
19 Referencias Cruzadas  

ኪራም ንጉስ ጢሮስ ድማ ንዳዊት ልኡኻት ሰደደሉ። ምስኣቶም ድማ ኦም ፅሕድን ፀረብትን ሃነፅትን፥ ወቐርቲ እምንን ሰደደሉ። ንሳቶም ከዓ ንዳዊት ቤት ሃነፁሉ።


ሜልኮል ጓል ሳኦል ኽሳዕ ዕለተ ሞታ ኣይወለደትን።


ሕዚ ግና እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ብዅሉ ወሰናት ሃገረይ ኣዕሪፉኒ ኣሎ፤ ዝፃረረኒ የለን፤ ዝኾነ ናይ ድንገት ነገር ድማ የለን።


ዳዊት ንወዱ ሰሎሞን ፀዊዑ ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ቤተ መቕደስ ክሰርሕ ኣዘዞ።


ከምዙይ ድማ በሎ፦ “ሰሎሞን ወደይ! ኣነ ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ቤተ መቕደስ ክሰርሕ ብልበይ ሓሲበ ነይረ።


ሽዑ ንጉስ ዳዊት ብእግሩ ደው ኢሉ ኸምዙይ በለ፦ “ኣቱም ኣሕዋተይን ህዝበይን፥ ስምዑኒ፤ ኣነ ነታ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እግሩ ዘዕርፈላ ንታቦት ኪዳን ዝኸውን ቤት ክሰርሕ ሓሲበ ነይረ። ዘድሊ ምድላውውን ገይረ ነይረ።


እግዚኣብሄር ዕረፍቲ ስለ ዝሃቦ፥ በተን ዓመታት እቲኣተን ውግእ ኣይነበረን፤ ነተን ኣብ ይሁዳ ዝነበራ ኸተማታት ድማ ዕርዲ ሰርሐለን።


መንግስቲ ኢዮሳፍጥ ከዓ ህድኣት ረኸበት፤ እግዚኣብሄር ድማ ብዅሉ ወገን ዕረፍቲ ሃቦ።


ኦ ሓይለይ እግዚኣብሄር፥ እፈትወካ እየ።


ሰብ በካይዳኡ ንእግዚኣብሄር እንተ አሐጒስዎ፤ ኣብ ማእኸሉን ኣብ ማኸል ፀላእቱን ሰላም ይገብር።


እቲ ሓሙሽተ መክሊት ዝተቐበለ፥ ሽዑ ኸይዱ ነገደሉ። ካልእ ሓሙሽተ መክሊት ድማ ኣትረፈ።


ዳዊት ድማ ኣብ ቕድሚ እግዚኣብሄር ሞገስ ረኸበ፤ ንኣምላኽ ያእቆብ ዝኸውን መሕደሪ ኽሰርሕ ከዓ ለመነ።


እግዚኣብሄር ከዓ ኸምቲ ዅሉ ነቦታቶም ዝመሓለሎም፥ ብዅሉ ዙርያኦም ዕረፍቲ ሃቦም። እግዚኣብሄር ንዅሎም ፀላእቶም ኣብ ኢዶም ኣሕሊፉ ስለ ዝሃቦም ካብ ኵሎም ፀላእቶም ሓደ እኳ ኣብ ቅድሚኣቶም ደው ክብል ኣይከኣለን።


ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ነዊሕ ዘመን ምስ ሓለፈ፥ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ካብቶም ኣብ ዙርያኣቶም ዝነብሩ ዅሎም ፀላእቶም ምስ ኣዕረፎም፥ ኢያሱውን ኣሪጉ ነዊሕ ዕድመ ምስ ገበረ፥


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos