3 ንሳቶም ከዓ ነቲ ታቦት እግዚኣብሄር ኣብ ሓድሽ ሰረገላ ገይሮም ካብታ ኣብ ኰረብታ ዝነበረት ቤት ኣሚናዳብ ኣምፅእዎ፤ ነቲ ሓድሽ ሰረገላውን ዖዛን ኣሕዮን፥ ደቂ ኣሚናዳብ፥ ይመርሕዎ ነበሩ።
እንሆ፥ ኣብ ኤፍራታ ሰማዕናዮ፤ ኣብ ውሽጢ በረኻ ኸዓ ረኸብናዮ።
“ሕዚ ኸዓ ሓደ ሓድሽ ሰረገላ ሰሪሕኹም፥ በርዑት ተቘሪነን ዘይፈልጣ ኽልተ ዘጥብዋ ኣላሕም ውሰዱ እሞ፥ ነተን ኣላሕም ኣብቲ ሰረገላ ፅመድወን፤ ነተን ብተያተን ከዓ ፈሊኹም ካብ ድሕሪአን ናብ ቤት ምለስወን።
እቶም ሰብ ቂርያትይዓሪም ድማ መፂኦም ንታቦት እግዚኣብሄር ኣደዪቦም ናብታ ኣብ ኰረብታ ዘላ ቤት ኣሚናዳብ ኣእተውዎ፤ ንወዱ ኣልኣዛር ከዓ ታቦት እግዚኣብሄር ክሕሉ ቐደስዎ።