12 እግዚኣብሄር ምእንቲ ታቦት ኪዳን ኢሉ ንቤት ኣቢዳራን ንዘለዎ ዅሉን ከም ዝባረኸሉ ሰሚዖም ንንጉስ ዳዊት ነገርዎ። ሽዑ ዳዊት ከይዱ ንታቦት እግዚኣብሄር ካብ ቤት ኣቢዳራ ብሓጐስ ናብ ከተማ ዳዊት ኣምፅኦ።
ዳዊት ግና ነታ ደሓር ከተማ ዳዊት ዝተብሃለት እምባ ፅዮን ሓዛ።
ሰሎሞን ንዅሎም ዓበይቲ እስራኤልን ንዅሎም ኣሕሉቕ ነገዳትን ሹመኛታት ማይ ቤት ኣቦታትን ደቂ እስራኤል፥ ንታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ካብ ከተማ ዳዊት፥ ካብ ፅዮን፥ ንጉስ ሰሎሞን ናብ ዘለዎ ናብ ኢየሩሳሌም ከደይብዎ ኣከቦም።
ኵሎም ዓበይቲ እስራኤል ምስ መፁ ኸዓ፥ እቶም ካህናት ነቲ ታቦት ኣልዓልዎ።
እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ድማ ነቲ ታቦት እግዚኣብሄርን ነቲ መራኸቢ ድንኳንን፥ ነቲ ኣብ ድንኳን ዝነበረ ዅሉ ንዋየ ቅድሳትን፥ ናብቲ ቤተ መቕደስ ኣደየብዎ።
እቶም ደቂ ሌዋውያን ከዓ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ብሙሴ ዝኣዘዞ፥ ነቲ ታቦት ኣምላኽ ብመፃውር ኣብ ማእገሮም ፆርዎ።
ዳዊትን ዓበይቲ እስራኤልን ኣሕሉቕ ሽሕን ከዓ ነቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ካብ ቤት ዖቤድኤዶም ብሓጐስ ከደይብዎ ኸዱ።
ነቲ ምስ ኣብርሃም ዝኣተዎ ኺዳን፥ ነቲ ንይስሓቅ ዝመሓለሉ ማሕላ ሓሰበ።
እግዚኣብሄር ንዖቤድኤዶም ውሉድ ብምሃብ ባረኾ፤ በዅሩ ሸማያ፥ ካልኣይ ዮዛባት፥ ሳልሳይ ኢዮኣስ፥ ራብዓይ ሳካር፥ ሓምሻይ ናትናኤል፥ ሻድሻይ ዓሚኤል፥ ሻውዓይ ይሳኮር፥ ሻምናይ ፒላቲ ነበሩ።
ሽዑ ሰሎሞን ንዓበይቲ እስራኤልን፥ ንዅሎም ኣሕሉቕ ነገዳትን እቶም ሹመኛታት ማይ ቤት ኣቦታት ደቂ እስራኤል፥ ንታቦት ቃል ኪዳን እግዚኣብሄር ካብ ከተማ ዳዊት፥ ካብ ፅዮን ከደይብዎ፥ ናብ ኢየሩሳሌም ኣከቦም።
ካብዞም ኣናእሽተይ ንሓደ እኳ፥ ብስም ደቀ መዝሙረይ ፅዋዕ ዝሑል ማይ ዘስቲ፥ ዓስቡ ኸቶ ኸም ዘይስእን ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።”