Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




2 ሳሙኤል 5:9 - መፅሓፍ ቅዱስ

9 ዳዊት ከዓ ኣብታ እምባ ተቐመጠ፤ ከተማ ዳዊት ኢሉውን ሰየማ። ዳዊት ኻብ ሚሎ ሒዙ ብዙርያኣን ብውሽጣን ነደቓ።

Ver Capítulo Copiar




2 ሳሙኤል 5:9
16 Referencias Cruzadas  

ዳዊት ግና ነታ ደሓር ከተማ ዳዊት ዝተብሃለት እምባ ፅዮን ሓዛ።


ዳዊት በታ መዓልቲ እቲኣ “ንኢያቡሳውያን ክስዕሮም ዝደሊ በቲ መተሓላለፊ ማይ ኣቢሉ ይደይብ እሞ፥ ነቶም ኣነ ዝፀልኦም ሓንካሳትን ዕዉራትን የውፅእ” በለ። ስለዙይ ብምስላ “ዕዉርን ሓንካስን ናብ ቤተ መንግስቲ ኣይእተዉ” ተብሃለ።


ስለዙይ ዳዊት ንታቦት እግዚኣብሄር ናብ ከተማኡ ኸእትዎ ስለ ዘይፈተወ፥ ናብ ቤት እቲ ጌታዊ ኣቢዳራ ኣእተዎ።


እቲ ኣብ ልዕሊ ንጉስ ዝገበሮ ዓመፅ ምኽንያቱ ኸምዙይ እዩ፦ ሰሎሞን ነቲ ሚሎን ሰርሖ፤ ነቲ ዝፈረሰ መካበብያ ኸተማ ኣቦኡ ዳዊት እውን ፀገኖ።


ዳዊት ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ኣብ ከተማ ዳዊትውን ተቐበረ።


ንጉስ ሰሎሞን ንቤት እግዚኣብሄርን ንቤተ መንግስቱን ሚሎንን መካበብያ ኢየሩሳሌምን ሓፆርን መጊዶን ጌዝርን ዝሰርሑ ወገናት መልሚሉ ነበረ።


ጓል ፈርዖን ካብ ከተማ ዳዊት ናብታ ሰሎሞን ዝሰርሐላ ቤታ መፀት፤ ሽዑ ሰሎሞን ንሚሎን ሰርሐ።


ንኢዮኣስ ድማ ኣገልገቱ ሻራ ገበሩሉ፤ ኣብታ ናብ ሲላ እተውርድ መንገዲ፥ ኣብ ቤት ሚሎውን ቀተልዎ።


እቶም ዝቐተልዎ ሹመኛታቱ፥ ዮዘካር ወዲ ሰምዓትን ዮዛባት ወዲ ሾሜርን ይበሃሉ ነበሩ። ምስ ሞተ ድማ ኣብ ከተማ ዳዊት ቀበርዎ። ክንድኡ ድማ ወዱ ኣሜስያስ ነገሰ።


ካብ ሚሎ ጀሚሩ ኣብ ዙርያኡ ኸተማ ሰርሐ፤ ነቲ ኣብታ ኸተማ ዝተረፈ ኸዓ ኢዮኣብ ኣዐረዮ።


ሰውነቱ ኣበርቲዑ ብምስራሕ ድማ ነቲ ፈሪሱ ዝነበረ ቕፅሪ ፀገኖ፤ ኣብ ልዕሊኡ ድማ መንደቕ ሰርሐሉ፤ ንመካበብያ ኢየሩሳሌምውን ብወፃኢ ኻልኣይ መንደቕ ሰርሐሉ። ኣብ ከተማ ዳዊት ንዘላ ሚሎን ኣጠናኸረ፤ ብዙሕ ኣፅዋርን ዋላቱን ድማ ኣዳለወ።


ሰሎም ወዲ ኮልሖዜ፥ ሹም ግዝኣት ምፅጳ ድማ ንበሪ ዒላ ሓደሶ፤ ነዲቑውን ከደኖ፤ መዓፁን መርሖታትን መሸጐሪታትንውን ገበረሉ። ብዘይ እዙይ ድማ ኻብቲ ጥቓ ኣታኽልቲ ንጉስ ዘሎ መሐመሲ ወሽመጥ ክሳዕ እቲ ኻብ ከተማ ዳዊት ዘውርድ መሳልል ዘሎ መንደቕ ሰርሐ።


ኢየሩሳሌምስ ንስንሳታ ኸም እተጋጠመት ከተማ እያ ተሓኒፃ።


ኣቲ ዳዊት ዝሰፈረኪ ኸተማ ኣርኤር፥ ወይለኺ! ዓመት ኣብ ዓመት ወስኹ፤ በዓላትውን ይመለሱ።


እንተ ዘይኮነ ኻብ ኣቢሜሌክ ሓዊ ይውፃእ እሞ ንሰብ ሴኬምን ንቤት ሚሎንን የቃፅል። ካብ ሰብ ሴኬምን ካብ ቤት ሚሎን ከዓ ሓዊ ይውፃእ እሞ ንኣቢሜሌክ የቃፅሎ” በሎም።


ኵሎም ሰብ ሴኬምን ኵሎም ቤት ሚሎንን ተኣከቡ፤ ከይዶም ከዓ ንኣቢሜሌክ ኣብ ጥቓ እቲ ኣብ ሴኬም ዘሎ ዝምለኽ ዓብዪ ኦም፥ ኣንገስዎ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos