Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




2 ሳሙኤል 5:7 - መፅሓፍ ቅዱስ

7 ዳዊት ግና ነታ ደሓር ከተማ ዳዊት ዝተብሃለት እምባ ፅዮን ሓዛ።

Ver Capítulo Copiar




2 ሳሙኤል 5:7
27 Referencias Cruzadas  

ዳዊት በታ መዓልቲ እቲኣ “ንኢያቡሳውያን ክስዕሮም ዝደሊ በቲ መተሓላለፊ ማይ ኣቢሉ ይደይብ እሞ፥ ነቶም ኣነ ዝፀልኦም ሓንካሳትን ዕዉራትን የውፅእ” በለ። ስለዙይ ብምስላ “ዕዉርን ሓንካስን ናብ ቤተ መንግስቲ ኣይእተዉ” ተብሃለ።


ዳዊት ከዓ ኣብታ እምባ ተቐመጠ፤ ከተማ ዳዊት ኢሉውን ሰየማ። ዳዊት ኻብ ሚሎ ሒዙ ብዙርያኣን ብውሽጣን ነደቓ።


ስለዙይ ዳዊት ንታቦት እግዚኣብሄር ናብ ከተማኡ ኸእትዎ ስለ ዘይፈተወ፥ ናብ ቤት እቲ ጌታዊ ኣቢዳራ ኣእተዎ።


እግዚኣብሄር ምእንቲ ታቦት ኪዳን ኢሉ ንቤት ኣቢዳራን ንዘለዎ ዅሉን ከም ዝባረኸሉ ሰሚዖም ንንጉስ ዳዊት ነገርዎ። ሽዑ ዳዊት ከይዱ ንታቦት እግዚኣብሄር ካብ ቤት ኣቢዳራ ብሓጐስ ናብ ከተማ ዳዊት ኣምፅኦ።


እቲ ታቦት እግዚኣብሄር ናብ ከተማ ዳዊት ክኣቱ እንተሎ ኸዓ፥ ሜልኮል ጓል ሳኦል ብመስኰት ተቐልቂላ፥ ንጉስ ዳዊት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክዘልልን ክስዕስዕን እንተሎ ረአየቶ እሞ ብልባ ነዓቐቶ።


ዳዊት ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ኣብ ከተማ ዳዊትውን ተቐበረ።


ሰሎሞን ንፈርዖን ንጉስ ግብፂ ሓሙ ኾነ እሞ ንጓል ፈርዖን ኣእተዋ፤ ቤቱን ቤት እግዚኣብሄርን ነቲ ኣብ ዙርያ ኢየሩሳሌም ዘሎ ቕፅርን ሰሪሑ ኽሳዕ ዝውድእ ከዓ፥ ናብ ከተማ ዳዊት ኣምፅኣ።


ሰሎሞን ንዅሎም ዓበይቲ እስራኤልን ንዅሎም ኣሕሉቕ ነገዳትን ሹመኛታት ማይ ቤት ኣቦታትን ደቂ እስራኤል፥ ንታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ካብ ከተማ ዳዊት፥ ካብ ፅዮን፥ ንጉስ ሰሎሞን ናብ ዘለዎ ናብ ኢየሩሳሌም ከደይብዎ ኣከቦም።


ጓል ፈርዖን ካብ ከተማ ዳዊት ናብታ ሰሎሞን ዝሰርሐላ ቤታ መፀት፤ ሽዑ ሰሎሞን ንሚሎን ሰርሐ።


ዳዊት ከዓ ኣብታ እምባ ተቐመጠ፤ ስለዙይ ድማ ኸተማ ዳዊት ኢሎም ሰመይዋ።


ኣብ እስራኤል ንእግዚኣብሄርን ነታ ቤቱን ፅቡቕ ስለ ዝገበረ ድማ፥ ኣብ መቓብር ነገስታት ኣብ ከተማ ዳዊት ቀበርዎ።


ሽዑ ሰሎሞን ንዓበይቲ እስራኤልን፥ ንዅሎም ኣሕሉቕ ነገዳትን እቶም ሹመኛታት ማይ ቤት ኣቦታት ደቂ እስራኤል፥ ንታቦት ቃል ኪዳን እግዚኣብሄር ካብ ከተማ ዳዊት፥ ካብ ፅዮን ከደይብዎ፥ ናብ ኢየሩሳሌም ኣከቦም።


ሰሎም ወዲ ኮልሖዜ፥ ሹም ግዝኣት ምፅጳ ድማ ንበሪ ዒላ ሓደሶ፤ ነዲቑውን ከደኖ፤ መዓፁን መርሖታትን መሸጐሪታትንውን ገበረሉ። ብዘይ እዙይ ድማ ኻብቲ ጥቓ ኣታኽልቲ ንጉስ ዘሎ መሐመሲ ወሽመጥ ክሳዕ እቲ ኻብ ከተማ ዳዊት ዘውርድ መሳልል ዘሎ መንደቕ ሰርሐ።


እግዚኣብሄር ንፅዮን ሓርዩዋ እዩ እሞ፤ መሕደሪኡ ኽትከውን ድማ ፈትዩዋ እዩሞ፥ ከምዙይ ኢሉ፦


“ኣነ ግና ኣብ ፅዮን ኣብቲ ቅዱስ እምባይ፥ ንጉሰይ ሸምኩ።”


ንፅዮን ክበብዋ፤ ኣብ ዙርያኣ ድማ ተመላለሱ፤ ግንብታታውን ቍፀሩ።


እግዚኣብሄር ኣብ ኣዳራሻታ፥ መፀግዒ ኾይኑ ይፍለጥ።


ኦ ጐይታ፥ ንፅዮን ብፀጋኻ ኣፀባብቃ፤ ቅፅሪ ኢየሩሳሌምውን ንደቕ።


እግዚኣብሄር ካብ ድንኳናት ያእቆብ፥ ንበርታት ፅዮን ይፈትወን እዩ።


ነቲ ኣብ ፅዮን ዝነብር እግዚኣብሄር ዘምሩሉ፤ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ድማ ግብርታቱ ንገሩ።


ኣቲ ኣብ ፅዮን እትነብሪ፥ ናይ እስራኤል ቅዱስ፥ ኣብ ማእኸልኪ ልዕል ልዕል ኢሉ እዩ እሞ፥ ተሓጐሲ፤ ዕልልውን በሊ።”


ንፅዮንን፥ ነቶም ካብ ሓጢኣቶም ዝንስሑ ቤት ያእቆብን፥ ዘድሕን ክመፅእ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።


ኣቲ ኣብ ለሰ፥ ኣብ ኰዅሒ ጐልጐል እትነብሪ ዘለኺ፥ እንሆ ኣነ ኣብ ልዕሌኺ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር፤ ንስኻትኩም ከዓ ‘መንዩ ሓደጋ ዘውድቐልና? መን እዩኸ ናብ ሰፈርና ዝኣቱ?’ እትብሉ ዘለኹም፥


ሕጊ ኻብ ፅዮን፥ ቃል እግዚኣብሄር ድማ፥ ካብ ኢየሩሳሌም ክወፅእ እዩ እሞ፥ ብዙሓት ህዝብታት ክኸዱ፥ “ንዑናይ ናብ እምባ እግዚኣብሄርን፥ ናብ ቤት ኣምላኽ ያእቆብን ንደይብ፥ ንሱ ኸዓ መንገድታቱ ኽምህረና እዩ፤ ንሕናውን ብመንገድታቱ ኽንኸይድ ኢና” ኽብሉ እዮም።


እዙይ ከዓ መፅሓፍ፦ “እንሆ ኣብ ፅዮን መዐንቀፊ እምንን፥ ዘንደልህፅ ኰዅሕን ኣንብር ኣለኹ፤ ብእኡ ዝኣምን ከዓ፥ ኣይሓፍርን እዩ” ኸም ዝበሎ እዩ።


ንስኻትኩም ግና ናብ እምባ ፅዮንን፥ ናብታ ኸተማ ህያው እግዚኣብሄር ዝኾነት ሰማያዊት ኢየሩሳሌምን፥ ናብቶም ብሓጐስ ዝተኣከቡ ኣእላፋት ዝኾኑ መላእኽትን፥


ብድሕሪዙይ እቲ በጊዕ፥ ኣብ እምባ ፅዮን ደው ኢሉ፥ ስሙን ስም ኣቦኡን፥ ኣብ ግምባሮም ዝተፅሓፎም፥ ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን ሽሕ ኸዓ፥ ምስኡ ረአኹ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos