5 ኣብ ኬብሮን ኮይኑ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ሸውዓተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ነገሰ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ድማ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤልን ይሁዳን ሰላሳን ሰለስተን ዓመት ነገሰ።
መንግስቲ ሳኦል ሃብኩኻ፤ ኣንስቱውን ኣብ ሕቝፍኻ ኣንበርኩልካ፤ ኣብ እስራኤልን ኣብ ይሁዳን ከዓ ኣንገስኩኻ፤ እዙይ ውሒዱ እንተ ዝኸውን ድማ ኸምኡ ኻልእ ምወሰኽኩልካ ነይረ።
ዳዊት ኣብ ልዕሊ ቤት ይሁዳ ኣብ ኬብሮን ሸውዓተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ነገሰ።
ሰብ ይሁዳ ድማ መፂኦም ንዳዊት ኣብ ልዕሊ ቤት ይሁዳ ኽነግስ ኣብ ኬብሮን ቀብእዎ። ሽዑ “ንሳኦል ዝቐበርዎ ሰብ ኢያቢስ ገለዓድ እዮም” ኢሎም ንዳዊት ነገርዎ።
ዳዊት ኣብ እስራኤል ኣርብዓ ዓመት ነገሰ፤ እዙይ ድማ፥ ኣብ ኬብሮን ሸውዓተ ዓመት፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ከዓ ሰላሳን ሰለስተን ዓመት ነገሰ።
ስለዙይ ኵሎም ዓበይቲ እስራኤል ናብ ንጉስ ናብ ኬብሮን መፁ፤ ዳዊት ከዓ ኣብ ኬብሮን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምስኣቶም ኪዳን ኣተወ። ከምቲ ብሳሙኤል ዝተነግረ ቓል እግዚኣብሄር ድማ ንዳዊት ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ክኸውን ቀብእዎ።
ኣርብዓ ዓመት ገዝአ፤ ኣብ ኬብሮን ኮይኑ ሸውዓተ ዓመት፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ድማ ሰላሳን ሰለስተን ዓመት ገዝአ።
ሽዱሽቲኦም ኣብ ኬብሮን ተወለዱሉ። ኣብኣ ኸዓ ሸውዓተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ነገሰ። ዳዊት ኣብ ኢየሩሳሌም ሰላሳን ሰለስተን ዓመት ነገሰ።