12 ዳዊት ከዓ፥ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ገይሩ ኸም ዘፅንዖ፥ ነታ መንግስቱውን ምእንቲ ህዝቡ እስራኤል ኢሉ ልዕል ከም ዘበላ ኣስተውዓለ።
ኪራም ንጉስ ጢሮስ ድማ ንዳዊት ልኡኻት ሰደደሉ። ምስኣቶም ድማ ኦም ፅሕድን ፀረብትን ሃነፅትን፥ ወቐርቲ እምንን ሰደደሉ። ንሳቶም ከዓ ንዳዊት ቤት ሃነፁሉ።
ዳዊት ኻብ ኬብሮን ምስ መፀ፥ ብተወሳኺ ኣንስቲ ወሰኑን ካልኦት ኣንስቱን ካብ ኢየሩሳሌም ወሰደ። ካልኦት ኣወዳትን ኣጓላትን ከዓ ተወለዱሉ።
ገዛኻን መንግስትኻን ከዓ ኣብ ቅድመይ ንዘለኣለም ክፀንዕ እዩ፤ ዙፋንካውን ንዘለኣለም ክፀንዕ እዩ።”
እቲ ኣብ ዙፋን እስራኤል ከቐምጠካ ዝፈቐደ ኣምላኽካ እግዚኣብሄር ይመስገን። እግዚኣብሄር ንእስራኤል ንሓዋሩ ስለ ዘፍቀሮ፥ ፍትሕን ሓቅን ምእንቲ ኽትህብ፥ ንጉስ ክትከውን ሸመካ” በለቶ።
ዳዊት ከዓ፥ እግዚኣብሄር ምእንቲ ህዝቡ እስራኤል ኢሉ፥ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ገይሩ ኸም ዘፅንዖን፥ ነታ መንግስቱውን እምብዛ ልዕል ከም ዘበለሉን ኣስተውዓለ።
ኪራም ንጉስ ጢሮስ ድማ መልእኽቲ ፅሒፉ፥ ንሰሎሞን ከምዙይ ኢሉ መልሲ ሰደደሉ፦ “እግዚኣብሄር ንህዝቡ ስለ ዝፈተዎ፥ ንኣኻ ኣብ ልዕሊኣቶም ኣንገሰካ።”
በዝ ጊዜ እዙይ ስቕ እንተ በልኪ፥ ንኣይሁድ ሓገዝን ድሕነትን ካብ ኻልእ ቦታ ኽመፅእ እዩ፤ ንስኽን ቤት ኣቦኽን ግና ኽትጠፍኡ ኢኹም። ንስኺ ኸምዙይ ንዝበለ እዋን ናብ መንግስቲ መፂእኺ እንተ ኾንኪኸ፥ መን ይፈልጥ?”
እዝ ምስጢር እዙይ ንኣይ ዝተገልፀለይ፥ ካብ ኵሉ ሰብ ዝበለፀ ጥበብ ስለ ዘለኒ ኣይኮነን፤ ንስኻ ትርጕሙ ምእንቲ ኽትፈልጥ እሞ፥ እቲ ብልብኻ እተሰላስሎ ዝነበረ ነገር፥ እንታይ ከም ዝኾነ ምእንቲ ኽትርዳእ እዩ።
ካብ ዕትሮኦም ማይ ይፈስስ፤ ዘርኦም ድማ ኣብ ብዙሕ ማያት ይኸውን፤ ንጉሶም ካብ ኣጋግ ልዕል ልዕል ይብል፤ መንግስቱውን ክትከብር እያ።