8 ርእሲ ኢያቡስቴ ከዓ ናብ ኬብሮን ኣምፂኦም ንዳዊት ሃብዎ። ንንጉስ ከዓ “ርእሲ ኢያቡስቴ፥ ወዲ ሳኦል እቲ ንህይወትካ ዝደልያ ዝነበረ ሳኦል ፀላኢኻ፥ እኒሀልካ። እግዚኣብሄር ሎሚ ንኣኻ ንጐይታይ ንጉስ ካብ ሳኦልን ካብ ዘርኡን ሕነ ፈድዩልካ እዩ” በልዎ።
ኣኪማኣስ ወዲ ሳዶቅ ድማ “ንንጉስ፥ እግዚኣብሄር ካብ ኢድ ፀላእቱ ኣናጊፍዎ እዩ እሞ፥ ጐይየ ደኣ ኸበስሮ” በለ።
ኵሲ ኸዓ መፀ። ንንጉስ ድማ “ካብ ኵሎም ፀላእትኻ እግዚኣብሄር ሎሚ ኣድሒኑካ እዩ እሞ፥ ጐይታይ ንጉስ ኣብስረካ ኣለኹ” በሎ።
ኣበኔር ወዲ ኔር፥ ሓለቓ ሰራዊት ሳኦል ግና ንኢያቡስቴ ወዲ ሳኦል ወሲዱ፥ ናብ ማሓናይም ኣሳገሮ።
ንሱ ሕነይ ዝፈድየለይ ኣምላኽ እዩ፤ ነህዛብ ኣብ ትሕተይ የግዝኦም፤
እቶም ጕድኣተይ ዝደልዩ ምስ ሓፈሩን ምስ ተዋረዱን፥ መልሓሰይ ኵልሻዕ ፅድቅኻ ኽትናገር እያ።
“እቶም ንነፍሲ እዝ ህፃን ዝደልዩ፥ ሞይቶም እዮም እሞ ተስእ፤ ነዝ ህፃንን ንኖኡን ሒዝካ፥ ናብ ምድሪ እስራኤል ኪድ” በሎ።
“ኦ፥ ሰማይ ብኣኣ ተሓጐስ፤ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኣ ፈሪዱ፥ ሕነ ስለ ዝፈደየልኩም፥ ኣቱም ቅዱሳን ሃዋርያትን ነቢያትንውን ተሓጐሱ”
ዓው ብዝበለ ድምፂ ኸዓ፦ “ኦ ቕዱስን ሓቀኛን ዝኾንካ ጐይታ፥ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ዘይትፈርድ? ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉኸ፥ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ፥ ሕነ ደምና ዘይትፈድዮም? እናበሉ ጠርዑ”
“ንዳዊት ምስ መንደቕ ኣጣቢቐ ኽቐትሎ እየ” ኢሉ ድማ ዂናት ወርወረ። ዳዊት ግና ኽልተ ሻዕ ካብ ቅድሚኡ ዘወር በለ።
ሳኦል ንወዱ ዮናታንን ንዅሎም ሓሻኽሩን ንዳዊት ክቐትልዎ ተዛረቦም። ዮናታን ወዲ ሳኦል ግና ንዳዊት ብዙሕ ይፈትዎ ስለ ዝነበረ
ሽዑ ሳኦል፥ “ንዳዊት ምእንቲ ኽቐትሎስ፥ ብዓራት ጌርኩም ኣምፅኡለይ” ኢሉ ልኡኻት ናብ ዳዊት ሰደደ።
ሽዑ ዳዊት ካብ ኣውቴዝራማ ናይ ኣርማቴም ሃዲሙ ናብ ዮናታን መፀ። “ኣቦኻ ኸምዙይ ገይሩ ኽቐትለኒ ዝደሊ ዘሎስ፥ እንታይ ገይረ እየ? በደለይከ እንታይ እዩ? ሓጢኣተይከ፥ ኣብ ቅድሚ ኣቦኻ እንታይ እዩ?” ኢሉ ጠየቖ።
ዳዊት፥ ሳኦል ክቐትሎ ደልዩ ኸም ዝወፀ ረአየ። ሽዑ ኣብታ ኣብ ምድረ በዳ ዚፍ እትርከብ ኣብ ሆረሽ ይቕመጥ ነበረ።
ሽዑ እቶም ሰዓብቱ “እታ እግዚኣብሄር ‘ነቲ ፀላኢኻ ኸም ድልየትካ ኽትገብሮስ፥ እንሆ፥ ኣነ ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ’ ዝበለካ መዓልቲ እኒሃ ሎሚ እያ” በልዎ። ዳዊት ድማ ሰላሕ ኢሉ ኸይዱ ጫፍ ክዳን ሳኦል ቈረፀ።
ሰብ እኳ ኽሰጐካን ክቐትለካን እንተ ተስአ፥ ንኣኻ ንጐይታይስ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ይሓሉኻ፤ ንፀላእትኻ ግና ኸም ብወንጭፍ ገይሩ ይወንጭፎም።