Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




2 ሳሙኤል 4:7 - መፅሓፍ ቅዱስ

7 ናብ ቤቱ ምስ ኣተዉ ኸዓ፥ ንሱ ኣብ ሕልፍኚ ኣብ ዓራቱ ደቂሱ እንተሎ፥ ወጊኦም ቀተልዎ፤ ርእሱውን ቈረፁ። ርእሱ ሒዞም ድማ ምሉእ ለይቲ ብስንጭሮ ዓረባ ኣቢሎም ከዱ።

Ver Capítulo Copiar




2 ሳሙኤል 4:7
8 Referencias Cruzadas  

ኣበኔርን እቶም ሰባቱን ድማ እታ ለይቲ እቲኣ ብምልእታ ብጐልጐል ዮርዳኖስ ክይድ ሓዲሮም ፈለግ ዮርዳኖስ ተሳገሩ፤ ንዅላ ቢትሮን ሓሊፎም ድማ ናብ መሓናይም ኣተዉ።


እቲ ሩባ ድማ ብጭንቍራዕ ፈኽፈኽ ክብል እዩ። ካብቲ ሩባ ወፂአን ድማ ናብ ቤትካን ናብ መደቀሲኻን ናብ ዓራትካን ናብ ቤት መኳንንትኻን ናብ ህዝብኻን ናብ እቶናትካን ናብ ንፅባኻን ኽኣትዋ እየን።


ነታ ርእሱ ብፃሕሊ ኣምፂኦም፥ ነታ ጓል ሃብዋ፤ ንሳ ድማ ወሲዳ ንኖኣ ሃበታ።


ሽዑ ዳዊት ጐይዩ ኣብ ልዕሊ እቲ ፍልስጥኤማዊ ደው በለ፤ ነቲ ሰይፊ ጐልያድ ካብ ሰገባኡ መሲቱ ድማ፥ ነቲ ፍልስጥኤማዊ ቐተሎ፤ ብእኡ ገይሩ ኸዓ ርእሱ ቘረፆ። ፍልስጥኤማውያን ድማ እቲ ጅግናኦም ከም ዝሞተ ምስ ረአዩ ሃደሙ።


ዳዊት ድማ ንርእሲ እቲ ፍልስጥኤማዊ ወሲዱ ናብ ኢየሩሳሌም ኣምፅኦ። ነፅዋር ጐልያድ ግና ኣብ ድንኳኑ ኣንበሮ።


ርእሱ ቘሪፆም ከዓ ኣፅዋሩ ገፈፍዎ። ኣብ ቤት ጣዖታቶምን ኣብቲ ህዝብን ከበስሩ ድማ ናብ ዙሪያ ሃገር ፍልስጥኤማውያን ሰደድዎ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos