6 እታ ሓላዊት ሰበይቲ ኣብ ኣፍ ደገ ተቐሚጣ ስርናይ እናንተርተረት እንተላ ተታኸሰት። ሽዑ ሬካብን በዓናን ሰላሕ ኢሎም ናብ ምድቃስ ኢያቡስቴ ኣተዉ።
ኣሳሄል ግና ካብኡ ምግላስ ኣበየ። ሽዑ ኣበኔር ብዂናት ከብዱ ወግኦ እሞ፥ እቲ ዂናት ብድሕሪቱ ወፀ፤ ኣብኡ ኸዓ ወዲቑ ሞተ። ናብታ ኣሳሄል ወዲቑ ዝሞተላ ቦታ ዝመፀ ዅሉ ድማ ኣብኣ ደው ይብል ነበረ።
ኣሜሳይ ግና ነቲ ኢዮኣብ ዝሓዞ ሰይፊ ስለ ዘይተጠንቀቐሉ፥ ኢዮኣብ ብእኡ ገይሩ ኸብዱ ወግኦ፥ ኣምዑቱውን ናብ ምድሪ ተዘርገፈ፤ ካልኣይ እንተይወግኦ ኸዓ ሞተ፤ ኢዮኣብን ኣቢሳ ሓዉን ድማ ንሳቤዔ ወዲ ቢክሪ ኽሃድንዎ ኸዱ።
ኣበኔር ናብ ኬብሮን ምስ ተመለሰ ኸዓ፥ ኢዮኣብ ንበይኑ ኽዛረቦ ኸም ዝደሊ ኣምሲሉ ናብ ኣፍ ደገ ወሰዶ። ኣብኡ ድማ ሕነ ደም ሓዉ ኣሳሄል፥ ከብዱ ወግኦ እሞ ሞተ።
ንኢያቡስቴ ክልተ ሰባት፥ ኣሕሉቕ ጭፍራ ነበርዎ፤ ስም እቲ ሓደ በዓና፥ ስም እቲ ኻልኣይ ከዓ ሬካብ ነበረ። ንሳቶም ደቂ ሪሞን በዓል ብኤሮት፥ ካብ ደቂ ብንያም ነበሩ። ብኤሮት ምስ ብንያም እያ እትቝፀር።
ናዖድ ግና ኽፅበዩ እንተለዉ ሃደመ፤ ናብ ማዕዶ ነቶም ዝተተኸሉ ኣእማን ሓሊፉ ናብ ዔይሮታም ኣቢሉ ድማ ኣምለጠ።