4 ዮናታን ወዲ ሳኦል ከዓ ኽልቲኡ እግሩ ዝሰለለ ወዲ ነበሮ። ሳኦልን ዮናታንን ከም ዝሞቱ ኻብ ኢይዝራኤል ወረ ኽመፅእ እንተሎ ንሱ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ነበረ። መጕዚቱ ድማ ሓዚላቶ ሃደመት። ቀልጢፋ ኽትሃድም እንተላ፥ ወደቐ እሞ እግሩ ተሰበረ። ስሙ ኸዓ ሜምፊቦስቴ ነበረ።
እቲ ንጉስ ምእንቲ እቲ ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ ዮናታን ወዲ ሳኦልን ዝነበረ ብስም እግዚኣብሄር ዝተገብረ ማሕላ ኢሉ ንሜምፊቦስቴ ወዲ ዮናታን ወዲ ሳኦል ራህርሀሉ።
ሜምፊቦስቴ ከዓ ዅልሻዕ ኣብ ማእዲ ንጉስ እናበልዐ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ይቕመጥ ነበረ፤ ንሱ ኽልቲአን ኣእጋሩ ልሙሳት ነበራ።
ንጉስ ድማ “ምእንቲ እግዚኣብሄር ብርህራሀ ኽከናኸኖስ፥ ካብ ቤት ሳኦል ሓደ ዝተረፈ ሰብዶ የለን?” በሎ። ሲባ ኸዓ ንንጉስ “ኣእጋሩ ዝተጐድአ እባ ሓደ ወዲ ዮናታን ኣሎ” በሎ።
ሜምፊቦስቴ ወዲ ዮናታን፥ ወዲ ሳኦል፥ ናብ ዳዊት መፂኡ፥ ብግንባሩ ተደፊኡ ኢድ ነስአ። ዳዊት ድማ “ሜምፊቦስቴ” በሎ። ንሱ ኸዓ “እኒሀኹ ጐይታይ” በለ።
ሃዳድ ግና ምስ ውሑዳት ኤዶማውያን ኣገልገልቲ ኣቦኡ ኾይኑ ናብ ግብፂ ሃዲሙ ኸደ፤ ሃዳድ ሽዑ ንእሽተይ ቘልዓ ነበረ።
ዮናታን ንመሪበዓል ወለደ፤ መሪበዓል ንሚካ ወለደ፤
ዮናታን ንመሪብ ባዓል ወለደ፤ መሪብ ባዓል ንሚካ ወለደ።
ፍልስጥኤማውያን ድማ ዅሉ ሰራዊቶም ናብ ኣፌቅ ኣኽተቱ። እስራኤላውያን ኣብ ኢይዝራኤል ኣብ ዘሎ ዓይኒ ማይ ሰፊሮም ነበሩ።
ዳዊትን ሰቡን ከዓ ናብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ክምለሱ፥ ኣንጊሆም ተስኡ። ፍልስጥኤማውያን ከዓ ናብ ኢይዝራኤል ደየቡ።