3 እቶም ቀዳሞት ብኤሮታውያን ግና ናብ ጌቴም ሃዲሞም ከዱ። ክሳዕ ሎሚ ድማ ኣብኡ ስደተኛታት ኮይኖም ይነብሩ ኣለዉ።
ዮናታን ወዲ ሳኦል ከዓ ኽልቲኡ እግሩ ዝሰለለ ወዲ ነበሮ። ሳኦልን ዮናታንን ከም ዝሞቱ ኻብ ኢይዝራኤል ወረ ኽመፅእ እንተሎ ንሱ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ነበረ። መጕዚቱ ድማ ሓዚላቶ ሃደመት። ቀልጢፋ ኽትሃድም እንተላ፥ ወደቐ እሞ እግሩ ተሰበረ። ስሙ ኸዓ ሜምፊቦስቴ ነበረ።
ኣብ ሓሶር፥ ኣብ ራማ፥ ኣብ ጊቴም፥
እቶም ኣብ ማዕዶ እቲ ለሰን ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስን ዝነበሩ ሰብ እስራኤል ድማ ሰራዊት እስራኤል ከም ዝሃደሙ፥ ሳኦልን ደቁን ከዓ ኸም ዝሞቱ ምስ ረአዩ፥ ነተን ከተማታት ሓዲጎምወን ሃደሙ። ፍልስጥኤማውያን ከዓ መፂኦም ተቐመጥወን።